Friday, April 24, 2015

ኣብ ዞባ ምብራቕ ወለጋ ጉትንን ሃሮን ኣብ ዝተብሃሉ ከተማታት ኣብ ዝተተኸሉ ሓደሽትን ነባርን ናይ ፍተሻ ኬላታት። ህዝቢ ዝፀዓና መኻይን ንብዙሕ መዓልቲ ጠጠው ስለ ዝብላ ህዝቢ ተፀጊሙ ከም ዘሎ ተገሊፁ፣



ካብቲ ቦታ ዝበፅሐና ሓበሬታ ከም ዘመላኽቶ። ኣብ ክልል ኦሮምያ ዞባ ምብራቕ ወለጋ ጉትንን ሃሮን ኣብ ዝተብሃላ ከተማታት ዝርከቡ ሓደሽትን ዝፀንሑን ካብ ሽዱሽተ ንላዕሊ ኬላታት ከም ዝተተኸሉ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ። ምስቲ መፃኢ ወርሒ ጉንቦት ዝካየድ ሙስሉይ መረፃ ተተሓሒዙ ናይ ህዝቢ መጓዓዝያ መኻይን ንፍተሻ ብዝብል ንልዕሊ ክልተ መዓልቲ ዝኣክል ጠጠው ይብላ ብምህላወን። ተሳፈርቲ ኣብ መንገዲ ንጥምየትን ፅምእን ይቃልዑ ከም ዘለው ንምፍላጥ ተኻኢሉ፣
 እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ከም ዘረድኦ። ኣብ ዞባ ምብራቕ ወለጋ ኣብ ዝርከቡ ከተማታት ኪረሙ፤ ጉትንን ሃሮን ብሕቡእ ዝተወደቡ ተቓወምቲ ሓይልታት ኣለው ካብ ዝብል ስግኣት ገዛኢ መንግስቲ ምኽንያት ዝተተኸሉ ናይ ፍተሻ ኬላታት። ብርክት ዝበለ ህዝቢ ብዓይኒ ጥርጣረ እናተርኣየ ይእሰር ከም ዘሎ ተገሊፁ፣