Friday, May 29, 2015

20 ግንቦት ብመስዋእቲ ብዙሓት ረብሓ ውሑዳት ዘረጋገፀት ዕለት እያ!



ቅድሚ 1983 ዓ/ም ህዝቢ ኢትዮጵያ/ ኣንፃር ፋሽሽቲ ወተሃደራዊ ስርዓት ደርግ ዝቐነዐ/ ን17 ዓመታት ዘካየዶ መሪር ብረታዊ ተጋዳሎ/ ሰብኣውን ዴሞክራሲያውን መሰሉ/ ብዓፋኒ ኣዋጅ ተሰንዩ ሞት፤ ማእሰርቲ፤ ስደትን ስቓይን ይወርዶ ስለ ዝነበረ’ዩ ነይሩ።

ኣብ’ቲ ናይ 17 ዓመታት ኣንፃር ስርዓት ደርግ ዝተኻየደ መሪርን መስተንክራውን ገድሊ/ ህዝቢ ኢትዮጵያ ከቢድ ዋጋ ከፍሉ’ዩ። በዚ ዘካየዶ መሪር ቃልስን ዝኸፈሎ መስዋእትን ድማ ንውልቀ መላኺ ስርዓት ደርግ ብምድምሳስ/ እቲ ብረታዊ ቃልሲ ኣብ 20/ግንቦት/ 1983 ዓ/ም ብመስዋእትን ስንክልናን ደቂ ህዝቢ ብዓወት ክዛዘም ክኢሉ’ዩ።

ህዝቢ ኢትዮጵያ 17 ዓመታት ካብታ ዝናኣሰት ንብረቱ ክሳብ መተካእታ ዘይብላ ህይወቱን ህይወት ደቁን ከፊሉ/ ነቲ ብረታዊ ቃልሲ ድሕሪ ምዕዋቱ ሰላም፤ ዴሞክራሲን ፍትሕን ነጊሱ/ ብማዕርነት፤ ሓድነትን ምክብባርን ህዝብታት ዝኣምን ዴሞክራሲያዊ ስርዓት ብምትካል/ ካብ ወገናውነትን ኣድልዎን ነፃ ዝኾነ/ ሃፍቲ ሃገር ሚዛናዊ ብዝኾነ ኣገባብ  ዘመራቕሕ ስርዓት ክውንን ካብ ዝነበሮ ተስፋ ሃንቀውታን ራእን ዝነቐለ እዩ።

ይኹን ’ምበር ህዝቢ ኢትዮጵያ ዝተቓለሰሎም ዕላማታት ካብ ፅባሕ 20/ግንቦት/ 1983 ዓ/ም እቲ ዝተመነዮን ብተስፋ ዝፅበዮን ዝነበረን ዝተቓለሰሉን ዕላማን መትከልን/ ብዝኸፈአ ድማ ሕድሪ ስውኣት ተረጊፁ ናይ ጉጅለታት ረብሓ መረጋገፂ ኮይኑ/ ህዝብና ከኣ ከርፋሕ ናብራ ንኽመርሕ ተፈሪድዎ’ዩ።

ህወሓት-ኢህወዴግን ንዕኡ ዝመርሑ ካድረታትን ሰበ-ስልጣንን/ ብናይ ደቂ ህዝቢ ስንክልናን መስዋእትን ኣብ ስልጣን ምስ ተኾየጡ ኣብ ውልቃውነት ብምጥሓል/ ነቲ ኣብ እዋን ብረታዊ ቃልሲን በብእዋኑ ህዝቢ ኣብ ጎኖም ንምስላፍ ዝዛረብዎን ዝኣትውዎን ዝነበሩ ዘይትግበር መብፅዓ ክሒዶም/ ውልቃዊ መነባብርኦም ዘጣጥሕሉን ልዕሊ 16 ቢሊዮን ዶላር ሃፍቲ ህዝብን ሃገርን  እናጓሓሉ/ ኣብ ናይ ወፃኢ ባንክታት ስለ ዘቐመጡን/ ብሽም 20 ግንቦት ዳንኬራ ክወቕዑ ንዕዘቦም ኣለና።

ሕሉፋት ስርዓታት ሃይለስላሰን ደርግን ነናይ ባዕሎም ዝፈፀምዎ ግፍዕን በደልን ከምዘለዎ ኮይኑ/ ካብ ዘመነ ስልጣን ኢህወዴግ ብዝተወሰነ መልክዑ ብዝሓሸ/  ኣብ ወፃኢ ሃገራት ዝነብር  ኢትዮጵያዊ ክብረት ነይርዎ እዩ።

ህዝቢ ኢትዮጵያ ብፍላይ ከኣ ዝተማሃረ ይኹን ዘይተማሃር መንእሰይ ወለዶ/ ብሰንኪ ስርዓት ኢህወዴግ ዝኽተሎ ፈላላይን በታታንን ፖሊሲ/ ካብ ኩሉ ከባቢታት ሃገርና ዝስደድ ዘሎ መንእሰይ ገዛ ይቑፀሮ ዘብልን/ ወለዲ ብሓዘን ተኾርሚዮም መሬት እናቖስቑሱ ዝነብርሉን ዘለው እዋን እዩ ዘሎ።

ናይዚ መርኣያ ከኣ ኣብ ዝሓለፈ ወርሓት ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ፤ የመንን ኣብ ሊቢያን ብዘስካሕክሕ ኩነታት ዝተሓረዱ፤ ብሓዊ ዝተቓፀሉ፤ ብጥይት ዝተውቕዑን ብደብዳብ ነፈርቲ ዝሓረሩን ዜጋታትና/ ኣብ ሃገሮም ዴሞክራሲ፤ ሰላም፤ ሰናይ ምሕደራን ስራሕን ስለዘሎ ዘይኮነስ/ ግንቦት 20 ውልቀ መላኺ ነቒላ ካልእ ውልቀ መላኺ ስለ ዝፈጠረት/ ወይ ድማ ዕላማታት ናይቲ ቃልሲ ስለ ዘይተፈፀመን ጥራሕ እዩ።

ህወሓት/ኢህወዴግ መምሰላይ ንህዝቡ ዘይግደስ ስውኣትን ስድራ ስውኣትን ዝረሰዐ/ ዓመት መፀ ኣብ ግዜ 20/ግንቦት ብሽም ስውኣት ክመፃደቕን/ ዘይእረሙን ዘይማሓየሹን ተግባራቱ ከማሓይሽ እየ እናበለ ዝህውትተሉ ተዘይ ኮይኑ/ መላእ ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣብ 20 ግንቦት ፋሽሽቲ ወተሃደራዊ ደርግ ደሚሲሱ ዕጥቃዊ ቃልሱ ኣዐዊቱ’ምበር /ዝተቓለሰሎም ዕላማታትን መትከላትን ኣብ ወረቐት ካብ ምስፋር ሓሊፎም ክትግበሩ ኣይተራኣዩን።

ኢህወዴግ ኣብዚ ቅንያት ኣካይደዮ ዝብሎ ዘሎ ምስሉይ መረፃ ሕጋውነቱ ንምልብስ ተዘይኮይኑ/ ኣቐዲሙ ዝተወደአ ምዃኑ ብዝተፈላለየ ኣገባባት እናተገለፀ ፀኒሑ እዩ። እዚ ዝተበሃለሉ ምኽንያት ከኣ ኣብ ትሕቲኡ ኮይኖም ብመረፃ ክነውርደካ ኢና ንዝብልዎ ተቓወምቲ/ ብምፍርራሕ ብምእሳር ብምጭዋይን ክስደዱ ብምግባርን ክሰርሐሉ ፀኒሑ’ዩ።

ካብ ኩሉ ዝኸፈአ ድማ ኣብ ውሽጢ እተን ውድባት ዕስባቶም ብጥቕሚ ደሊሎም ብምስላኹ ክበታተኑ ብምግባር/ ከምኡ‘ውን ብሽም ተቓወምቲ ሕፁያት ተወዳደርቲ ኮይንኩም ቅረቡ ብምባል ኣብ መወዳእታ ድማ ክፍሽል  ከምዘለዎ እንዳ ስርሐ ፀንሐ’ዩ፣ ነዚ ብከምዚን ካልኦት ምድንጋራትን ተዓጅቡ ዘካየዶ ዘይፍታሓዊ መረፃ ብቁንዑን ዴሞክራስያውን መንገዲ ከምዘካየዶ ኮይኑ ብምቕራብ ሳላ 20 ግንቦት ክብል ይስማዕ ኣሎ።

እወ! ሳላ መስዋእቲ ቀያሕትን ፀለምትን ደቂ ህዝቢ 20 ግንቦት ተረኺባ/ ግን ከ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ትረብሕ ዘላ እንተይኮነትስ/ ንላዕለዎት ካድረታትን ኣዘዝቲ ሰራዊትን ወነንቲ ሪኤምዎ  ዘይፈልጡ ሃፍቲ ክውንኑ ገይራ’ምበር/ እቲ ተዓፊኑ ብኣስገዳድ ኣብ ሶማሊያ፤ ዳርፉርን ደቡብ ሱዳንን ህይወቱ ዝስእን ዘሎ ውፁዕ ሰራዊት ምክልኻልን ኣብ ከርፋሕ ናብራ ዝነብር ዘሎ ህዝብናን ካብ 20 ግንቦት ኣይተረበሐን።

ህወሓት/ኢህወዴግ መግለፂ ሸፈጡ ሃገር መቓቒሉ ዘድሚ ዘሎን/ ብሄር ብሄረሰባት ሃገርና ብሽም ፌዴራሊዝም ብቛንቋን ዓሌትን ጎዝዩ እናበታተነን ክንሱ/ 20 ግንቦት ካብ ስግኣት ምብትታን ናብ ተምሳሌትነት ሕዳሰ ክብል ተሰሚዑ።

“ሌባ ሌባ እንተበልዎስ ልዋ ልዋ ዝበልዎ ይመስሎ” ከም ዝበሃል ገለ ምስ ረብሐኦም ዝተተሓሓዘ ምዕራባዊያን ሃገራት ኣብ ስልጣን ንዝርከብ ውልቀ መላኺ ስርዓት እንተመጎሱ ነቲ ኣባይታ ዘሎ ሓቅን ብሰንኪ ኣብ ስልጣን ዘሎ ውልቀ መላኺ ስርዓት ኣብ ልዕሊ ህዝብናን ሃገርን ዝፍፀም ዘሎ  ዓፈናን  ጭቅናን ሰብ ዋና ንሕና ኢትዮጵያውያን ስለ ዝኾና ውድብና ዴምህት ቀፃሊ ሓደ ኮይና ፀገማትና ንፍታሕ እናበለ ፀኒሑ ሕዚ’ውን ዝብል ዘሎ።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ህዝቢ ኢትዮጵያ ብሰበ-ስልጣን ኢህወዴግን ካድረታትን ኣገልግሎት ኣዋህባ ፍትሒ፤ ነጋዳይ ካብ ዓቕሙ ንላዕሊ ግብሪ ክኸፍል ምግዳዱ፤ ሓረስታይ ካብ መረበቱን መሬቱን ኣፈናቒልካ ንወፃዕተኛታት ሰብ ሃፍቲ ምሃብ/ ንህዝብና ዓወት እንተይኮነስ ናብ ድኽነት ዘእተወን ኢትዮጵያውነት ዘህሰሰን ውፂት ፅባሕ 20 ግንቦት እዩ።

ስለ’ዚ ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣብ ገዛእ ሃገሩ ኮሪዑ ክነብር፤ ኣብ ወፃኢ ሃገራት’ውን ክብሩን መንነቱ ክሕለወሉ ዝኽእል/ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ሰላም፤ ዴሞክራሲ፤ ፍትሕን ሰናይ ምሕደራን ዘንግስ ቅኑዕ መንግስቲ እንትሕሉ እዩ/ እሞ ንህዝቡን ሃገሩን ዘኽብርን ዘኹርዕን ካብ ውልቃውነትን ግዑዝይ ምሕደራን ነፃ ዝኾነ ስርዓትን ኣመራርሓን ንምትካል፣ ኣብ ውሽጢ ይኹን ኣብ ወፃኢ ዝርከብ ኩሉ ኢትዮጵያዊ ኣንፃር ስርዓት ኢህወዴግ እናከየዶ ንዘለና ዕጥቃዊ  ቃልሲ ብዝተጠናኸረ መንገዲ/  ክትተሓባበር ይግባእ።