Tuesday, May 5, 2015

ንወፅዓን በደልን ዝተፈረደ ህዝቢ ንምስሉይ መረፃ ዝኸውን ግዜ የብሉን፣



ናብ  ስልጣን ዝወፁ መራሕቲ ወይ ገዛእቲ ስርዓታት ሓደራ ህዝቢ ኣብ ዝርሕርሐሉ ግዜ ሓፋሽ ህዝቢ ዝሓሸ ለውጢ ስለ ዝደሊ ኣብ ልዕሊኡ ዝበፅሑ በደላት ንምእላይ ኣንፃሮም ድምፁ ብምስማዕ ዓመፅ እናካየደን ንበደልቱ እናምበርከኸ መፂዩ’ዩ ጥራይ ዘይኮነስ ክሳብ ሕዚ.ውን እንተኾነ በዚ መስርሕ እናቀፀለሉ ይርከብ።
  ህዝብ ኢትዩጵያ ኣብ ልዕሊኡ ይበፅሕ ዝነበረ ወፅዓን ግፍዕን ተቓሊሱ ንምእላይ ክብል ማዓንጥኡ ኣስጢሙ ዘኹርዕ ታሪኽ እናፈፀመ ዝመፀ፤ ኣብ ናይ ዓለም መድረኽ ፍሉይ ታሪክ ዘለዎ፤ ህዝቢ እዩ።  ሉአላውነቱን ክብሩን ንኽጎብጡ ተሃንዲዶም ንዝመፁ ሓይልታት  ሕቡር ቅልፅሙ ብምድልዳል ሑቖኦም ጎዝዮ ውርደትን ስዕረትን ተሸኪሞም ንከኸዱ ዝገበረ ጅግና ህዝቢ እዩ። ኣብዚ መዋእል ዘለና ትውልዲ ድማ ታሪኽ ወለድና ዓቂብና ንወሎዶታት ዘሕብን ህያው ታሪኽ ክንሰርሕን ንለውጥን ምዕባለን ክንቃለስን እዋኑ ይሓተና ኣሎ። 
    ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ሃገርና  ብሄር ምስ ብሄር በቐፃሊ ዝጓነፅሉ ኩነታት ክፍጠር ምኽንያት ዝኾኑ ዘለው በብግዚኡ ናብ ስልጣን ዝወፁ መራሕቲ ብዝኽተልዎ ፀረ ሓድነት ፖሊስን ሓድነታ ዝሓለዎትን ዴሞክራሲያዊትን ሃገር ንዘይምህናፅ ካብ ዘለዎም ውልቃዊ ስሱዕ ድሌት ዝብገስ ከም ዝኾነ ዘተሓታትት አይኮነን።   
   ህዝብና በቶም ዝሓለፉ ዘውዳውያን፤ ፈሽታውያንን መለኽትን ስርዓታት ሃገርና ከም ዝተረግፀ ሰብኣውን ዴሞክራስያውን መሰሉ ከም ዝተዓፈነ ተረዲኡ ናይ ይግበአኒ ሕቶ ከልዕልስ ይትረፍ ፍፁም ከም ዘይምልከቶ ተራእዩ ናይ ውሕዳት ሽሞኛታት ኣገልጋሊ ኮይኑ ክጭቆን፤ ከይነቅሕ ደንቍሩ ክነብርን ሽግር ኣብ ልዕሊ ሽግር ተደራሪብዎ ሕሱም ናብራ ንኽመርሕን ዝተፈረዶን ሕዚ’ውን እንተኾነ ብመሪሕነት ስርዓት ኢህወደግ ብዝበአሰ መልክዑ ዝርአ ዘሎ ሽግር’ዩ።
   ወፅዓን በደልን እናበፀሖ ርእሱ ኣድኒኑ ክነብርን ክቕበልን መንነቱን ታሪኹን  ዘይገልፆ ህዝብና ነዞም ውልቀ መለኽቲ ስርዓታት ናይ እምቢታ ቃልሲ ብምጉህሃር ዝኽፈል ክቡር መስዋእቲ እናኸፈለን ብሽግር እናተፈተነን ንፀላእቱ እናጓሓፎም እኳ እንተመፀ ብቓልሲ ህዝቢ ተሓዚሎም ናብ ስልጣን ዝደየቡ መራሕቲ ህወሓት/ኢህወደግ ግን ነቲ ህዝብና ዝፅበዮ ዝነበረ ዝሓሸ ናይ ሰላም ለውጥን መነባብሮን ናብ ዝኸፈአ ናይ ድኽነትን ድሕረትን ዓዘቕቲ ክአትው ብምግባር ፍድኡ እናርአይዎ ይርከቡ።
   ሎሚ ህዝብና ንዘልዕሎም ናይ ለውጢ ሕቶታትን ጠለባትን ኣብ ክንዲ ግቡእ ክትትልን መፅናዕትን ተገይሩ ፍታሕ ዝግበረሉ ሕቶ ስለ ዘቕረበ ጥራይ ከም ፀረ ልምዓትን ኣሸባርን ተቖፂሩ ብሕማቕ ዓይኒ ክጥመትን ክጥርጠርን፤ ካብዚ ሓሊፉ‘ውን ነቲ ስርዓት ኣስጋኢ ንዝኾኑ ዜጋታት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅሮም ብምእታው መሰረት ብዘይብሉ ናይ ሓሶት ክሲ ዝፍረድሉ ኩነታት እዩ ዘሎ።
    መራሕቲ ህወሓት/ኢህወደግ ብተሳትፎ ውፅዕ ህዝቢ ስልጣኖም ከብቅዕ ይቀራረብ ኣብ ዘለሉ እዋን ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰል ዜጋታትና ማዕበል ፈጢሩ ናብ ውድቀት ከየጥሕሎም ብምስጋእ ኣብ ድሮ ሉሙድ ስማዊ መረፀኦም ዝተፈላለዩ ምሕፅንታታት ክኣትውን ንህዝቢ ከደናገሩን እኳ እንተፈተኑ ኣብ ተደራራቢ ፀገም ዝርከብ ህዝብና ግን መናውሒ ዕድመ ሰብ ስልጣን ህወሓት/ኢህወደግ ኣብ ዝኾነ ምስሉይ መረፃ ዝሳተፈሉ ዝኾነ ዓይነት ምክንያት የብሉን። ምኽንያቱ ድማ ንወፅዓን በደልን ዝተፈረደ ህዝቢ ንምስሉይ መረፃ  ዝኸውን ግዜ ስለ ዘይብሉ።