Wednesday, May 6, 2015

ጉጅለ ኢህወዴግ ነቶም ካብ ምክልኻል ሰራዊት ተሳናቢቶም ዝፀንሑ ወተሃደራት ነበር መሊሶም ናብ ዉትህድርና ክምለሱ ዝገበረሎም ፃዊዒት ስለ ዝነፀግዎ ምፍርራሕ ኣብ ዝተመልኦ ኣኼባ ፀሚድዎም ከም ዘሎ ተፈሊጡ።

   ብመሰረት እቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ መላኺ ስርዓት ኢህወዴግ ዉሽጣዊ ሽግራቱ እናኸፍአ ብምምፅኡ ኣብ ከቢድ ራዕዲ ስለ ዝወደቐ ነቶም በብእዋኑ ካብ’ቲ ዉትህድርና ብዝተፋለለየ ምኽንያት ተሳናቢቶም ዝፀንሑ ወተሃደራት ተመሊሶም ናብቲ ምክልኻል ሰራዊት ክኣትዉ ክገብሮ ንዝፀንሐ ፃዉዒት እቶም ወተሃደራት ነበር ብወገኖም ቅድሚ ሕዚ ተጠቒምኩም ዝደርበኹምና ከይኣክል ዳግም መፍትሒ ፀገምኩም ክትጥቀምልና ምፅዋዕ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዘለኩም ንዕቐት ዘረጋግፅ እዩ ብምባል ነቲ ፃዉዒት ከም ዝነፀግዎ ክፍለጥ ተኻኢሉ።
    በዚ ዝተቖጥዑ ሰበ ስልጣን ገዛኢ ስርዓት ካድረታቶምን ኣካላት ፀጥትኦምን ኣዋፊሮም መዓልታዊ ኣኼባ ብምባል ፃዊዒት መንግስቲ ኣኽብርኩም ናብ ውትህድርና ዘይምእታዉኩም ደገፍቲ ተቓወምቲ ዉድባት ስለ ዝኾንኩም ኢኹም ብምባል ምፍርራሕ ኣብ ዝተመልኦ ኣኼባን ጎስጓስን ፀሚዶሞም ከም ዝርከቡ  እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ ወሲኹ ኣረዲኡ።