Wednesday, May 6, 2015

ኣብ ክልል ኦሮሚያ ምዕራብ ወለጋ ኣለጋ ዋዮ ሶቃ ወረዳ ፍሉይ ሽሙ ቡጤ ኣብ ዝተብሃለ ስፍራ ኣብ ዝሰራሕ ዘሎ ናይፋብሪካ መዳበርያ ልኡዃት ገዛኢ ስርዓት ገበን ዘይብሎም ሰባት ይጨዉዩ ምህላዎም ተፈሊጡ።



   ብመሰረት ካብቲ ቦታ ዝበፀሓና ሓበሬታ ኣብቲ ብገዛኢ ጉጅለ ስርዓት ኢህወዴግ ይስራሕ ኣሎ ዝብሃል ፋብሪካ መዳበርያ  ናይ ጉልበት ስራሕ ዝሰርሑ ሰራሕተኛታት ደገፍትን ተሓባበርትን ተቓወምቲ ዉድባት እናተብሃሉ ብድህንነት እቲ ስርዓት ተዓፊኖም ይዉሰዱ ከም ዘለዉ ድሕሪ ምግላፅ ካብኣቶም ሓደ መስጦፋ ንዝተብሃለ ንፁህ ዜጋ ደጋፊ ፖለቲካዊ ቃልሲ ዘካይዱ ዉድባት ኢሎም ብ21 ሚያዝያ 2007 ዓ/ም ለይቲ ጨዉዮም ከም ዘጥፍእዎ ተገሊፁ።
    እዚ ዝኾነ ገበን ኣብ ልዕሊ ዘይብሎም ኣባላትን ደገፍትን ተቓውምቲ ዉድባት ብካድረታትን ኣባላት ድህንነትን ውልቀ መላኺ ስርዓት ኢህወዴግ ዝካየድ ዓፈናን ምግፋዕን ስጉምቲ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ  ሙሉእ ኢትዮጵያ ዝፍፀም ዘሎ ፀረ ዴሞክራስያዊ መሰል ዝዕፍን ኣረሜናዊ ተግባር ምዃኑ ምሁራትን ትካላት ሰብኣዊ መሰልን ደጋጊሞም ኣብ ምግላፅ ይርከቡ።