Tuesday, May 26, 2015

ህዝቢ ከተማ ዉቕሮ ክልተ ኣዉላዕሎ ፅሬቱ ዘይሓለወ ማይ ክሰቲ ይግደድ ብምህላዉ ብማይ ወለድ ሕማማት ይሳቐ ከም ዘሎ ምንጭታትና ከብታ ከተማ ሓቢሮም።



ከም ሓበሬታ ምንጭታትና ኣብ ከተማ ዉቕሮ ክልተ ኣዉላዕሎ ስእነት ዝስተ ፅሩይ ካብ ዘጋጥም ነዊሕ እዋን ዘቑፀረ እንትኾን ነዚ ፀገም ሪእዩ ዝፈትሕ ኣካል ብዘይ ምህላዉ ህዝቢ ህይወቱ ንምድሓን ክብል ፅሬት ዘይብሉ ረሳሕን ዝተበከልን ማይ እናተጠቐመ ብዝተፈላለዩ ማይ ወለድ ሕማማት ዝሳቐ ከም ዘሎ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
    ህዝቢ እታ ከተማ ብፀገም ዝስተ ፅሩይ ማይ ይሳቐ ከም ዘሎ ዝተዓዘበ ተቓዋሚ ዉድብ ዓረና/መድረኽ ብወገኑ ካብ 3 ክሳብ 6 ግንቦት 2007 ዓ.ም ንነባሪ ህዝቢ ኣኪቡ ኣብ ስልጣን ዘሎ ገዛኢ ስርዓት ንፀገምኩም ዘይፈትሕ ካብ ኮነ ንሕና ኣርባዕተ ቦጥ ማይ ዘመላልሳ ንግዝኡ መዲብና ፅሩይ ማይ ክነስትየኩም ኢና ምባሎም ዝሰምዑ ካድረታት ህወሓት/ኢህወዴግ ነቲ ንዓረና መድረኽ ወኪሉ ኣኼባ ዝመርሕ ዝነበረ ሓው ስየ ኣብርሃ ዝኾነ ምሕረትኣብ ኣብርሃ ካብቲ ኣኼባ ኣፈራርሖም ክወስድዎ ዝተዓዘበ ተኣካቢ ህዝቢ ነዚ ሰብ እዚ ምትንካፍ ንዓና ተንኪፍኩም ማለት እዩ። ሓደ ጉድኣት ምስ ዝበፅሖ ናዕቢ ክነካየድ  ኢና ምስ በሎም ንግዚኡ ከምስሉ ፈሪሖም ከም ዝገደፍዎ እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ ኣረዲኡ።