Tuesday, May 26, 2015

ኣብ ክልል ኦሮሚያ ኣብ ከተማታት ነቀምቴን ኣረጆንን ንዝነብር ህዝቢ ካድረታት ኦህዴድ/ኢህወዴግ ናብ ሰልፊ ዉፃእ እናበሉ ዕለታዊ መነባብርኡ ከይገብር የተዓናቕፍዎ ከም ዘለዉ ተፈሊጡ።




     ኣብ ከተማታት ነቀምቴን ኣረጆን ዝርከቡ ካድረታት ኦህዴድ/ኢህወዴግ ነባሪ ህዝቢ በቲ ስርዓት ናብ ዝፀዉዖ ኣኼባን ሰላማዊ ሰልፍን ድጋፉ ንኸስምዕ ብ12 ግንቦት 2007 ዓ/ም ንዝተገብረሉ ፃዉዒት ህዝቢ  ኣይንወፅእን ኢሉ ስለ ዝነፀጎ ኣብተን ከተማታት ዝርከቡ ስራሕ ንዝሰኣኑ ወገናት ልዕሊ 3 ሚኢቲ ብር ብምኽፋል ንኢህወዴግ ምረፁ ህዝቢ‘ዉን ኢህወዴግ ክመርፅ ከም ዘለዎ ገይርኩም ጎስጉሱ እናበሉ በቲ ዝተጠቕሰ ዕለት ኣብ ናይ ምትላል ተግባራት ከም ዝተዋፈሩ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
    ኢህወዴግ ኣብ ስልጣን ከቐፅሎ ዝኽእል ድምፂ ንምርካብ ብዝተፋላለየ ጥቕማ ጥቕሚን ገንዘብን ንዜጋታት ኣብ ምድላል ከም ዝርከብ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ ገለ ካብቶም ብ300 ብር በቲ ስርዓት ዝተኸፍሉ ሰባት ብገንዘብ ተዓሻሽና ህዝቢ ነዚ መደናገሪ ዝኾነ ስርዓት መረፁ እናበልና ኣይንጉስጉስን ንባዕልና ‘ዉን ኣይንመርፅን ክብሉ ከም ዝተቓዎምዎ ተፈሊጡ።