Tuesday, May 5, 2015

ገዛኢ ጉጅለ ህወሓት/ኢህወዴግ ኣብ መንጎ ተኸተልቲ ሃይማኖት እስልምናን ክርስትናን ከተማ ማይ ጨው ኢድ ኣእታውነት ብምግባር ዝፀንሐ ርክቦም ኣብ ምክፍፋል ከም ዘሎ ተገሊፁ።



ብመሰረት እቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ውልቀ መላኺ ገዛኢ ጉጅለ ህወሓት/ኢህወዴግ ኣብ መንጎ ሃይማኖት እስልምናን ክርስትናን ጣልቃ ብምእታዉ ዝኽተሎ ዘሎ ከፋፋሊ ኣካይዳ ጠጠዉ ንኸብል ኣብ ክልል ትግራይ ከተማ ማይ ጨዉ ዝርከቡ ተኸተልቲ ክልቲኡ ሃይማኖት ዝኾኑ ዓበይቲ ዓድን መራሕቲ ሃይማኖትን ብሓባር ብምዃን ብ19 ሚያዝያ 2007 ዓ/ም ጥርዓኖም ናብ ዝምልከቶ ኣካል ናይ’ቲ ክልል ከም ዘቕረቡ ተፈሊጡ።
    ትሕዝቶ ጥርዓን ናይቶም ወገናት ድማ ህወሓት ኢህወዴግ ቅድም ክብል ኣብ ሃይማኖት ጣልቃ እናኣተወ ንፖለቲካዊ ረብሓኡ ክጥቀመሉ ዝፀንሐ እንትኾን። ሎሚ ድማ ነቲ ንዘመናት እናተኻባበረ ዝመፀ ተኸታሊ ሃይማኖታት ክርስትናን እስልምናን ዝኾነ ህዝቢ ኣብ መንጎኡ እናኣተወ ብዓይኒ ጥርጣረ ክርኣአ ይገብር ስለ ዘሎ ብቅልጡፍ ኢዱ ክስሕብ ኣለዎ ዝብል ከም ዝኾነ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።