ኣብዚ ቅንያት ኣብ ከተማ ሽረ እንዳስላሴ፤ ኣኽሱም፤ ዓዲግራት፤ ተምቤን፤
መቐለ ብተደጋጋሚ ዕላማ ውድብ ዴምህት ዝገልፁን ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣንፃር ገዛኢ ስርዓት ኢህወዴግ ንኽለዓል ዝፅውዕ ፓምፕሌታት ብተደጋጋሚ
ከም ዝተበተነ ዝፍለጥ ኮይኑ በዚ ዝሰግኡ ላዕለዎት ካድረታት ህወሓት ኢህወዴግ ድማ ውሽጦም ንምፍታሽ ኣብ ወረዳ ውቕሮ ክልተ ኣውላዕሎ
ንወረዳ ኣመሓደርትን ንካድረታትን ህወሓት ኣብ ኣኼባ ፀሚዶምዎም ከም ዝቐነዩ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
ኣጀንዳ ናይቲ ኣኼባ ድማ ፀላእቲ ኣብ ውሽጥና ሰሊኾም ኣትዮምና ኣለው፤
ከም ድላዮም ኣትዮም እናወፁ ስለ ምንታይ ዘይንከታተል? እዚ ካድረ ተባሂሉ ዝተቐመጠን ህዝብን ኣብ ጎኒ ህወሓት ኣሎ ድዩ? ዝብሉን
ካልኦትን ከም ዝነብሩ ካብ ተሳተፍቲ እቲ ኣኼባ ዝተረኸበ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ እቶም ተኣከብቲ ህዝቢ ኣብ ጎንና ኣይኮነን ዘሎ፤
ካብ ውሽጥና’ውን ንዴ.ም.ህ.ት ዝተሓባበሩን ኣብ ምብታን ናይ’ቲ ፓምፕሌት ኢድ ዘለዎም ኣመሓደርቲ ኣይሰኣኑን ከም ዝበሉን በዚ
ከኣ ኣብ ውሽጦም ሕንፍሽፍሽን ራዕድን ኣትዩዎም ከም ዘሎ እቲ ሓበሬታ ኣመልኪቱ።