Tuesday, June 2, 2015

ንፀረ ህዝቢ ተግባራት ህወሓት/ኢህወዴግ ብምቅዋም ናብ ዴምህት ይፅምበሩ ናይ ዘለዉ መንእሰያት ቁፅሪ ሕዚ‘ውን ብናህሪ ይቕፅል ከም ዘሎ ወኪልና ካብ ክፍሊ ታዕሊም ዴምህት ሓቢሩ።



ኣብዚ ዝሓለፈ ሰሙን ድማ ካብ ዝተፈላለየ ከባብታት ሃገርና ዝተወፃፅኡ ብርክት ዝበሉ መናእሰይ ክቃለሱ ብምውሳን ናብ ክፍሊ ታዕሊም ዴምህት ከም ዝተፀምበሩ ኣብቲ ቦታ ዝርከብ ወኪልና ገሊፁ።

ካብ’ቶም ናብ ውድብ ዴምህት ተፀምቢሮም ዘለዉ ብርክት ዝበሉ መናእሰይ ንገሊኦም ንምጥቃስ፦

1. ግርማይ መሰለ ኣስገዶም ካብ ዞባ ማእኸል ወረዳ መረብ-ለኸ ጣብያ ጠራውር ቁሸት ምኹዓት ሳዳ፤
2. ኣማኒኤል ምሩቕ ወልዱን ሓድሽ ደሳለይ ገ/ሃንስን ካብ ዞባ ምብራቕ ወረዳ ጉለ መኸዳ ጣብያ ዘላምበሳ ቁሸት ኣዲስ ኣለም፤
3. መሓሪ ተስፋማርያም ጉብሳ ካብ ዞባ ሰሜን ምዕራብ ወረዳ ላዕላይ ኣድያቦ ጣብያ ዓዲ ገደና ቁሸት ዓዲ ጭዕንዶግ፤
4. እሩ ምስግና ኣብርሃ ካብ ዞባ ምብራቕ ወረዳ ኢሮብ ጣብያ ወር-ዓትለ ቁሸት ዳሮ፤
5. ዜናዊ ገብረ ገብሩ ካብ ዞባ ማእኸል ወረዳ መረብ ለኸ ጣብያ ጠራውር ቁሸት ምዳቕ- ምፃይ፤
6. ቴድሮስ ኪሮስ ኣበበ ካብ ዞባ ማእኸል ወረዳ ታሕታይ ማይ ጨዉ ጣብያ ዓዲ ገባት ቁሸት ድምዓሳኻ /ኣብ ሃገረ ኤርትራ ከተማ ከረን ዝነብር ዝነበረ/፤
7. ክብሮም ገ/ሃንስ ኣርኣያ ካብ ዞባ ማእኸል ወረዳ ኣሕፈሮም ጣብያ ዝባን ጒላ ቁሸት ጨጓሮ፤
8. ኣብርሃለይ በየነ መንክር ካብ ዞባ ሰሜን ምዕራብ ወረዳ ላዕላይ ኣድያቦ ጣብያ መደባይ-ጠረር ቁሸት ዓዲ ንኣምን፤
9. ገ/ዋህድ ገ/ገርግስ ታረቀ ካብ ዞባ ማእኸል ወረዳ መረብ ለኸ ጣብያ ጠራውር ቁሸት ምኹዓት ሳዳ፤

10. ሸዊት ግርማይ ሃይለ ካብ ዞባ ማእኸል ወረዳ መረብ ለኸ ጣብያ ዓዲ ፍታው ቁሸት ሓድሽ ዓዲ፤
11. ዳዊት ፍትዊ ገ/ሃንስ ካብ ዞባ ማእኸል ወረዳ ኣሕፈሮም ጣብያ ገርሁስርናይ ቁሸት ገርሁስርናይ፤
12. ዮውሃንስ ኣብርሃ ገ/ሚካኤል ካብ ዞባ መቐለ ወረዳ ዓይደር ቀበሌ 03 ቀጠና 6፤
13. ብርሃኑ ኣፅባሃ ገ/ኣነንያ ካብ ዞባ መቐለ ክፍለ ከተማ ሓወልቲ ጣብያ ዓዲ ሽንድሑ ቁሸት ቀጠና 7 /ኣብ ጅማ ዩኒቨርስቲ  ናይ 3ይ ዓመት ተማሃራይ ዝነበረ/፤
14. ጉዕሽ ወላይ ትንሱእ ካብ ዞባ ማእኸል ወረዳ መረብ ለኸ ጣብያ ዓዲ ፍታው ቁሸት ሓድሽ ዓዲ፤
15. ሰለሙን ገ/መድህን ገ/ማርያም ካብ ዞባ ማእኸል ወረዳ ኣሕፈሮም ጣብያ ዕዳጋ ረቡዕ ቁሸት ዓዲ ቅሌቶ ዝርከብዎም እንትኾኑ፦

ኣብ ሃገርና ስራሕ ስእነት ልዕሊ መጠን ኣስፋሕፊሑ ትምህርቱ ዝወደአ ተማሃራይ ኣባል ናይቲ ስርዓት ክኸውን ከም ዝግደድን እዚ እንተዘይፈፂሙ ድማ ስራሕ ስለ ዘይረክብ ቀዳማይ ምርጭኡ ስደት ገይርዎ ከም ዘሎ ኣብ ጅማ ዩኒቨርስቲ  ተማሃራይ 3ይ ዓመት ዝነበረ ብርሃኑ ኣፅባሃ ኣረዲኡ።

ንሱ ኣስዒቡ ጅማ ዩኒቨርስቲ ከም ኩለን ኣብያተ ትምህርቲ ሃገራና ብብሄር ብዓሌት ብዘመድን ከባብያውነትን ሕምስምስ ዝኣተዎ ትካል ከም ዝኾነን ኣባልነት ዝብሃል ነጥቢ ድማ ከም ሓደ ስሩዕ ትምህርቲ ተታሒዙ ብኮርስ መልክዕ ከም ዝዋሃብን ገሊፁ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ዩኒቨርሲቲ ዝኣክል ትካል ስሩዕን ዝተማልአን ቤተ መፅሓፍትን ቤተ ፈተነን ምርምርን ከም ዘይብሉ ኣዋህባ ነጥቢ ድማ ንደቂ ኣነስትዮ ምስ ፆታዊ ርውየቶም ከም ዘታሓሕዝዎ ነዚ ዘይፈፀመት ጓል ኣነስተይቲ ድማ ነጥቢ ክትረክብ ከም ዘይትኽእልን ኣረዲኡ።
 
ኣብርሃለይ በየነን ክብሮም ገ/ሃንስን ብወገኖም ኣብ ከባቢ ምዕራብ ትግራይ ሓሪስካ ንኸይትነብር ናይ ሕርሻ መሬት ከም ትኽልከልን ናይ ነባርነት ካርድን መንቀሳቐሲ ወረቐትን መረፃ ከይሓለፈ ኣይንህበኩምን ተባሂሎም  ተኸሊኦም ከም ዝፀንሑ ገሊፆም።

ንሶም ብተወሳኺ እቲ ኣብ ስልጣን ብዘሎ ስርዓት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝተፈላለዩ ኢ-ሰብኣዊ ግፍዕታት ይፍፅም ስለ ዘሎ ኣብ ስልጣን ንዘሎ ስርዓት ንምእላይ ኣብ ጎኒ ዕጥቃዊ ቃልሲ ዘካይድ ዉድብ ዴምህት ተሰሊፎም ምእንተ ህዝቦምን ሃገሮምን ክቃለሱ ወሲኖም ናብ በረኻታት ትግራይ ከም ዝወፈሩ ኣረዲኦም።