Tuesday, June 2, 2015

ኣብ ከተማ ማይ ፀብሪ ኣብ ዝርከብ ባንኪ ብስራሕ ዋርድያ ከገልግል ዝፀነሐ ሰራሕተኛ ብዘይ ምኽንያት ስለ ዝተባረረ ኣብ ልዕሊ እቶም ዝሰጎግዎ ስጉምቲ ከም ዝወሰደ ተፈሊጡ።



ኣብ ዞባ ሰሜን ምዕራብ ትግራይ ከተማ ማይ ፀብሪ ኣብ ዝርከብ ባንኪ ዋርድያ ኮይኑ ክሰርሕ ዝፀንሐ ዜጋ ብዘይ ብቑዕ ምኽንያት “ካብ ስርሕካ ተባሪርካ ኣለኻ ሰለ ዝተብህለ” ኣካያዲ ስራሕ ናይ’ቲ ባንኪ ዝርከቦም 6 ኣባላት ህወሓት ዝኾኑ ሰራሕተኛታት ብ19 ግንቦት 2007 ዓ/ም ብጥይት እንትቐትሎም ካልኦት 3 ድማ ኣቑሲሉ ብዘይ ገለ ፀገም ከምልጥ ከም ዝኸኣለ  ተፈሊጡ።
      እዚ ሰሪሑ ንባዕሉን ስድርኡን ንዓመታት ከመሓድረሉ ካብ ዝፀነሐ ስራሕ ብሃንደበት ዝተባረረ ወገን ብዘይ ገለ ዓስብን ትሕጋግን ስለ ዘፋነዉዎ ዘይሓላፍታዊ ስጉምቲ እዩ ክብል ደጋጊሙ ሓቲቱ ሰማዒ ስለ ዘይረኸበ ነቲ ናይ ምቕታል ተግባር ከም መማረፂ ከም ዝወስዶ ኣብቲ ከባቢ መዘራረቢ ዛዕባ ኮይኑ ከምዘሎ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።