እዞም ኣብ ወረዳ ሳሓርቲ ሳምረ ጣብያ ሓድነት ዝርከቡ መንስያት ነቲ ብሕጋዊ መንገዲ ዝተዓደልዎ መሬት ገዛውቲ ሰሪሖም
እናሃብ እናራብሑን ከምኡዉን ተኽልታት ተኺሎም ብምልማዕን
ክጥቀሙሉ ዝፀንሐ ቦታ ኣማሓደርቲ እቲ ኸባቢ ነቲ መሬት መንጢሎም
ብምወሳድ ጉቦ ንዝሓብዎም ሰብ ወልቀ ሃፍቲ ከምዝዓደልዎ
ተገሊፁ።
እዞም ብማሕበር
ተወዲቦም ክሰርሑ ዝፀንሑ መንእስያት ስለ ምንታይ ኣድልዎ ይፍፀም ኣሎ ኢሎም
ንዝምልከቶም ኣካላት እንተመልከቱ ንሕና እዚ ጉዳይ እዚ
ኣይንፈልጦን ዝብል ናይ ሸፈጥ ምላሽ ስለዝመለስሎምን ካብ ኢድ ናብ ኣፍ ዝውዕል መግቢ ስለዝሰኣኑ ፋሕ ኢሎም እግሮም ናብ ዝመርሖም ፎቖዶ ከተማታትን ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ንስደት ከምዝተበታትኑ
ምንጭታትና ካብቲ ከባቢ ዝለኣኸዎ ሓበሬታ ኣመልኪቱ።