Tuesday, September 29, 2015

ኣብ ወረዳ ሳሓርቲ ሳምረ ዝርከቡ መንእስያት ብማሕበር ተወዲቦም ብሕጋዊ መንገዲ ዝተውሃቦም መሬት ኣማሕደርቲ እታ ወርዳ መንጢሎም ጉቦ ንዝሃብዎም ሰብ ወልቀ ሃፍቲ ምንጭታትና ካብቲ ቦታ ዝለኣከዎ ሓበሬታ የመልክት።



  እዞም  ኣብ ወረዳ ሳሓርቲ ሳምረ ጣብያ ሓድነት  ዝርከቡ መንስያት ነቲ ብሕጋዊ መንገዲ ዝተዓደልዎ መሬት  ገዛውቲ ሰሪሖም  እናሃብ እናራብሑን  ከምኡዉን ተኽልታት ተኺሎም ብምልማዕን ክጥቀሙሉ ዝፀንሐ ቦታ   ኣማሓደርቲ እቲ ኸባቢ ነቲ መሬት መንጢሎም ብምወሳድ ጉቦ ንዝሓብዎም ሰብ ወልቀ  ሃፍቲ  ከምዝዓደልዎ   ተገሊፁ።
    እዞም  ብማሕበር ተወዲቦም ክሰርሑ ዝፀንሑ መንእስያት ስለ ምንታይ ኣድልዎ ይፍፀም ኣሎ ኢሎም  ንዝምልከቶም ኣካላት እንተመልከቱ  ንሕና እዚ ጉዳይ እዚ ኣይንፈልጦን ዝብል ናይ ሸፈጥ ምላሽ  ስለዝመለስሎምን  ካብ ኢድ ናብ ኣፍ ዝውዕል መግቢ ስለዝሰኣኑ ፋሕ ኢሎም  እግሮም ናብ ዝመርሖም ፎቖዶ ከተማታትን ናብ ጎረባብቲ ሃገራት  ንስደት  ከምዝተበታትኑ ምንጭታትና ካብቲ ከባቢ ዝለኣኸዎ ሓበሬታ ኣመልኪቱ።