Tuesday, September 29, 2015

ኣብ ዞባ ማእከል ወረዳ ኣሕፈሮም ዝርከቡ ገባራት ቅድመ ድልውነትን ከይግበሩን ግቡእ ካሕሳ ከይተውሃቦምን ዘልምዕዎ ሕርሻ መሬቶም ስለዝተመንጠሉን መንበሪ ገዝኦም ስለዝፈረሶምን ምስ ስድረኦም ኣብ ከቢድ ናይ መነባብሮ ፀገም ምውዳቖም ተገሊፁ።



 እዞም  ኣብ  ወረዳ ኣሕፈሮም ጣብያ ክሳድ ዕረ ዝርከቡ ብዝሖም ልዕሊ 40 ዝኾኑ ገባራት ግቡእ ካሕሳ ከይተኸፈሎምን ንመዳለዊ ዝኸውን ጊዜ   ከይተውሃቦምን  ንመስርሒ ፅርግያ ብዝብል ምኽኒት ንዓመታት ዘልምዕዎ  ሕርሻ መሬቶም  ተመንጢሎምን  መንበሪ   ገዝውቶምን   ሰለዝፈረሶምን ምስ ስድረኦም ኣብ ከቢድ  ናይ መነባብሮ ቅልውላው ምወዳቖም ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ  እዞም ዜጋታት ገለ ፍታሕ ንኽግበረሎም ንዝምልከቶም ኣካላት ዘቕረብዎ ጥርዓን ዛጊት ፍታሕ ዝህቦም ኣካል ሰለዝሰኣኑ  ኣብ ልዕሊ እቲ ስርዓት ዘለዎም ፅልኣት ኣብ ምግላፅ ይርከቡ።
      እቲ ሓበሬታ ወሲኹ  ንመሬትም ይኹን መንበሪ ገዝኦም ንዝፈረሶም ዜጋታት ካሕሳ መኽፈሊ ተባሂሉ ብፈደራል ዝተሰለዐ በጀት እኳ እንተሎ እዞም ካብ ወረዳ ጀሚሮም ክሳብ ክልል ዘለዉ ኣማሓደርቲ  ንመስርሒ  ውልቃዊ ትካላት የወዕልዎ ስለዘለዉ  እዞም ቡዱላት  ግን ወገናት ቁሊሕ ኢሉ ዝሪኦም ኣካል ከም ዘየለ ገሊፁ።