Tuesday, September 29, 2015

ኣብ ደቡብ ክልል ዞባ ጌድዮ ምስ ድርቂ ብዝተተሓዘ ብዝተፈጥረ ጥሜት ዜጋታት ናብ ከተማታት ይፈልሱ ምህላዎምን ርዲኤት ብዘይምርካቦም ድማ ኣብ ጎደናታት ምሕዳር ጀሚሮም ከምዘለዉ ዝተፈላለዩ ምንጭታት ገሊፆም።



  መንግስታውያን ዘይኮኑ ትካላት ዘዋፈርዎም ሰብ ሞያ ኣብ ቲ ዞባ 80 ሽሕ ህዝቢ ንጥሜት ተቓሊዑ ምህላዉ ሪፖርት ከምዝገበሩን  ናይቲ ዞባ ሰበስልጣናት  ድማ ብተፃራሪ ኣብቲ ዞባ ዋላ ሓዳ ዝተፀገመ  ሰብ  የለን ብምባል ናይ ሓሶት ፕሮፖጋንዳ  ከምዘቕረቡ ተፈሊጡ፣
     መንነቶም ብዕሊ ዘየተፈልጡ ሰባት ብሕቡእ ገዛ ገዛ እናዞሩ  ብምኽንያት ጥሜት  ደቂሶም ዝረኸብዎም ዜጋታት  ብስእሊ ደጊፎም እናልዓሉ ንሰበስልጣን መንግስቲ የቕርቡ ምህላዎም ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ  ተደጋጊሙ ምፅራይ ክግበረሉ መምርሒ ኣብ ዘውርወድሉ እዋን  እንተኾነወን ነቲ ሓቂ ሓቢእኦም ኣብ ዞባና 4ሽሕ ጥራሕ እዩም  ብጥሜት ተጎዲኦም ዘለዉ ክብሉ  ድሕሪ ምግላፅ ነበርቲ እቲ ከባቢ ብወገኖም   ብተግባራት እቶም ሰበ ስልጣናት ብምብስጫው  ናይ ባዕልና ዝኾኑ ሓለፍቲ ይብዱልና ኣለዉ ብምባል   ተቓውሞኦም የስምዑ ምህላዎም ተፈሊጡ፣
    ኣብ ርእሰ ከተማታት እንተኾነውን ብብዝሒ ህፃናትን መንእስያትን ኣብ ጎደና ተደርብዮም ዝልምኑን ዝሓመሙን ዜጋታት ኣዝዮም ብዙሓት ምኻኖም ድሕሪ ምግላፅ ብኻሊእ መዳይ ድማ  ትካል ሕቡራት መንግስታት  ሎሚ ኣብ ዘወፅኦ መግለፂ ኣብ ኢትዮጵያ ናይ መግቢ ርዳእታ ዘድልዮ ህዝቢ ቑፅሩ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ ካብ ዝተገልፀ ኣሃዝ ከምዝበልፅ ድሕሪ ምፍላጥ ቅድም ክብል 4 ሚልዮን 500 ሽሕ ህዝቢ ናይ ምግቢ እርዳታ እናተገበርሉ ምኻኑን ኣብ ካልኦት ክልላት እንተኾነወን እቲ ጥሜት ናብ ብዝኸፈአ መልክዑ  ይረአ ምህላዎምን ሕፁፅ ምላሽ ከምዘድልዮን እቲ ትካል ኣፍሊጡ።