መንግስታውያን ዘይኮኑ ትካላት ዘዋፈርዎም ሰብ ሞያ ኣብ ቲ ዞባ 80 ሽሕ ህዝቢ
ንጥሜት ተቓሊዑ ምህላዉ ሪፖርት ከምዝገበሩን ናይቲ ዞባ ሰበስልጣናት
ድማ ብተፃራሪ ኣብቲ ዞባ ዋላ ሓዳ ዝተፀገመ ሰብ የለን
ብምባል ናይ ሓሶት ፕሮፖጋንዳ ከምዘቕረቡ ተፈሊጡ፣
መንነቶም ብዕሊ ዘየተፈልጡ ሰባት ብሕቡእ ገዛ ገዛ እናዞሩ ብምኽንያት ጥሜት
ደቂሶም ዝረኸብዎም ዜጋታት ብስእሊ ደጊፎም እናልዓሉ ንሰበስልጣን
መንግስቲ የቕርቡ ምህላዎም ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ ተደጋጊሙ ምፅራይ
ክግበረሉ መምርሒ ኣብ ዘውርወድሉ እዋን እንተኾነወን ነቲ ሓቂ ሓቢእኦም
ኣብ ዞባና 4ሽሕ ጥራሕ እዩም ብጥሜት ተጎዲኦም ዘለዉ ክብሉ ድሕሪ ምግላፅ ነበርቲ እቲ ከባቢ ብወገኖም ብተግባራት እቶም ሰበ ስልጣናት ብምብስጫው ናይ ባዕልና ዝኾኑ ሓለፍቲ ይብዱልና ኣለዉ ብምባል ተቓውሞኦም የስምዑ ምህላዎም ተፈሊጡ፣
ኣብ
ርእሰ ከተማታት እንተኾነውን ብብዝሒ ህፃናትን መንእስያትን ኣብ ጎደና ተደርብዮም ዝልምኑን ዝሓመሙን ዜጋታት ኣዝዮም ብዙሓት ምኻኖም
ድሕሪ ምግላፅ ብኻሊእ መዳይ ድማ ትካል ሕቡራት መንግስታት ሎሚ ኣብ ዘወፅኦ መግለፂ ኣብ ኢትዮጵያ ናይ መግቢ ርዳእታ ዘድልዮ ህዝቢ
ቑፅሩ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ ካብ ዝተገልፀ ኣሃዝ ከምዝበልፅ ድሕሪ ምፍላጥ ቅድም ክብል 4 ሚልዮን 500 ሽሕ ህዝቢ ናይ ምግቢ
እርዳታ እናተገበርሉ ምኻኑን ኣብ ካልኦት ክልላት እንተኾነወን እቲ ጥሜት ናብ ብዝኸፈአ መልክዑ ይረአ ምህላዎምን ሕፁፅ ምላሽ ከምዘድልዮን እቲ ትካል ኣፍሊጡ።