Sunday, September 6, 2015

ኣብ መንጎ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ምክልኻል ሰራዊት ኢህወዴግ ስልጣን ዝመበገሲኡ ዘይምስምማዕ ተፈጢሩ ከም ዘሎ ካብ ውሽጢ እቲ ምክልኻል ዝለሓኸ ሓበሬታ ኣመልኪቱ።



ብመሰረት’ቲ ሓበሬታ ኣብ መንጎ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ምክልኻል ሰራዊት ኢትዮጵያ ሹመትን ጥቕምን  ዝመበግሲኡ ግጭት ተላዒሉ ምህላዉ  ድሕሪ ምግላፅ እቲ ጠንቂ ናይ'ቲ ዘይምስምማዕ ድማ ተወለድቲ ብሄር ኣምሓራ ዝኾኑ ኮኔሬላትን ጀነራላትን ስለ ምንታይ ማዓርግ ዘይዋሃበና?፤ ዓቃቢ ሰላም  ብተጋሩ ጥራሕ ተባሒቱ ንዓና ግን ቁሊሕ ዝብለና ኣይረኸብናን?፤ ንሕናኸ  ዘይንእመን ዲና ኮይና ኣብ'ቲ ኣገዳሲ ቦታ ዘይንቕመጥ? ዝብሉን ካልኦትን ዝኣመሰሉ  ጥርዓናት ብምልዓሎም ምዃኑ ተፈሊጡ።
    ኣብ መወዳእታ ነዚ  ኣድልዎን ኣፈላላይን  ዝፈጥር  ዘሎ  ሳሞራ ዮኑስ እንትኾን ንሱ ንተጋሩ ጥራሕ ዝለዓለ ስልጣን ብምሃብ ዝለዓለ ፀፍሒ ኣትሕዝዎም ብምባል ቅሬታኦም  ከም ዝገለፅሉ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ኣመልኪቱ።