ብመሰረት ሓበሬታ ምንጭታትና ኣብ ወፃኢ ዝርከቡ
ተወለድቲ ተምቤን ከምኡ'ዉን ነበርቲ ተምቤን ብሽም ኣሉላ ኣባነጋ ፒሪፓራቶሪ ቤት ትምህርቲ ንምስራሕ ኢሎም ዘዋፅእዎ ብርክት ዝበለ
ገንዘብ ካድረታት ስርዓት ኢህወዴግ ግን ነቲ ብተወለድቲ ተምቤን ክስራሕ ዝተሓሰበ ቤት ትምህርቲ ገዲፎም ንመለስ ፋዉንደሽን ከም
ዘዉዓልዎ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
ካብዚ ብምብጋስ ህዝቢ ንሕና ንፋዉንደሽን መለስ
ዘይኮና ገንዘብና ኣዋፂእና ነቲ ጅግና ኩርዓት ሃገርናን ኣፍሪካን ዝኾነ ኣሉላ ኣባነጋ መዘከሪ ዝኸዉን ቤት ትምህርቲ መስርሒ ኢና
ኣዋፂእና ብምባል ናይ ተቓዉሞ ሕቶ ኣልዒሎም ዝምለስ ኣካል ስለ ዘይተረኸበ ኣብ መንጎ ህዝብን ካድረታት እቲ ስርዓትን ከቢድ ወጥሪ
ተፈጢሩ ከም ዘሎ ተፈሊጡ።