Tuesday, September 29, 2015

ኣብ ወረዳ ሓውዜን ጣብያ ስሉሕ ዝርከቡ ኣማሓደርቲ ኣብ ዕደላ መጠሻ መሬት ኣድልዎ ይፍፅሙ ምህላዎም ምንጭታትና ካብቲ ከባቢ ዝለኣኸዎ ሓበሬታ ኣመልኪቱ፣



ብመሰረት'ቲ ሓበሬታ እዞም ኣብ ዞባ ምብራቕ ትግራይ ወረዳ ሓውዜን ጣብያ ስሉሕ ዝርከቡ ኣምሓደርቲ ኣብ ዕደላ መጠሻ መሬት ብጥቕምን ጉቦን ንዝቐርብዎም ቤተ ሰቦም ብኣድልዎ ይዕድልዎ ምህላዎም ድሕሪ ምግላፅ፣ ብርክት ዝበሉ መንእሰያት እታ ጣብያ ግን ንልዕሊ 3ተ ዓመት ዝኣክል መሬት ንኽወሃቦም  ከቕረብዎ ዝፀንሑ ጥርዓን ሰማዒ ሲኢኖም  ምስ ደቆም ኣብ ዝባን ስድረኦም ተደሪቦም ንኽነብሩ ተገዲዶም ምህላዎም  ገሊፁ፣
እቲ ሓበሬታ ኣስዒቡ  ኣብ ሃገሮም ሰሪሖም መነባብሮኦም ከይመርሑ ብሰንኪ ስእነት ሰናይ ምሕደራ ናብ ከተማታትን ዓዶም እናገደፉ ፎቖዶ ስደትን ይኸዱ ምህላዎም። ከም ሳዕቤኑ ድማ ግዳይ ሓደጋታት  ሞት ይኾኑ ከም ዘለዉ ተገሊፁ፣