Tuesday, September 29, 2015

ኣብ ክልል ትግራይ ዞባ ማእከል ወረዳ ቆላ ቴምቤን ዝርከቡ ወነንቲ ትካላት ብሰንኪ ሕፅረት መብራህቲ ስርሖም ብኣግባቡ ክሰርሑ ከም ዘይካኣሉ ተገሊፁ።



እዞም ኣብ ወረዳ ቆላ ቴምቤን ዝርከቡ ሰብ ወልቀ ትካላት ህዝቦምን ሃገሮምን ክጠቕሙ ብምሕሳብ  ብኤለክትሪክ  ዝሰርሓ  ማሽናት ተኺሎም ክሰርሑ ዋላኳ እንተፈተኑ በሰንኪ ምቑርራፅ መብራህቲ  እቲ ዝድለ  ፍርያት ከፍርዩ ስለ ዘይካኣሉ ግዳይ ክሳራ ይኾኑን ትካላቶም ክዓፅዉ ይግደዱን  ከም ዘለዉ ካብቲ ከባቢ ዝበፅሓና  ሓበሬታ ኣመልኪቱ፣
እቲ ሓበሬታ ኣስዒቡ እዚ ናይ መብራህቲ ፀገም ኣብ ህዝባዉን መንግስታውን  ትካላት  ዘወርዶ ዘሎ ክሳራ ቀሊል ዘይምኻኑ ድሕሪ ምግላፅ።  እዚ ሽግር ናይ መብራህቲ  ኣብ ወረዳ ቆላ ቴምቤን ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ምሉእ ሃገር ኣጋጢሙ ዘሎ ብምዃኑ ህዝቢ  ኢትዮጵያ መረረቱ ኣብ ምግላፅ  ይርከብ።