Sunday, October 4, 2015

ኣብ ዞባ ደቡብ ወረዳ ኣምባላጀ ንፀገም ዝስተ ፅሩይ ማይ መቃለሊ ተባሂሉ ካብ ህዝቢ ዝተዋፀአ ገንዘብ በቶም ኣማሓደርቲ ከምዝተጠፋፈአ ተገሊፁ።



ነበርቲ ዞባ ደቡብ ወረዳ ኣምባላጀ ብሰንኪ ሕፅረት ፅሩይ ማይ ውልቃዊ መነባብርኦም ንምምራሕ ተፀጊሞም ምህላዎም ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ እዞም ዜጋታት ነዊሕ ሰዓታት ተጓዒዞም ዝረኽብዎ ማይ እንተኾነ‘ውን  ፅሬቱ ዘይሓለወ ስለዝኾነ ግዳይ ሕማምን ሞትን ይኾኑ ምህላዎም ተፈሊጡ።
እዞም ነበርቲ ነቲ ዘጋጠሞም ሽግር ማይ ንምፍታሕ ክብሉ   ዘዋፅእዎ ብኣማኢት ኣሻሓት ዝቑፀር ገንዘብ ብኣማሓደርቲ እታ ወረዳ  ከም ዝተጠፋፈአ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ ብፍላይ ነበርቲ ቤት ማራ  ብወከልቶም ኣቢሎም  ነቲ ዝተበልዐ  ገንዘቦም  ንኽምለሰሎም ናብ ዝምልከቶም ኣካላት ዘቕረብዎ ጥርዓን  “ንስኹም ደገፍቲ ተቓወምቲ ውድባት ኢኹም” ብምባል ኣፈራሪሖም ከም ዘባረርዎም ክፍለጥ  ተኻኢሉ።