Sunday, October 4, 2015

ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ጥዕና ሓለዋን ኣብ ካልኦት ቤት ፅሕፈታትን ኣብ ስራሕ ህንፀት ብኩንትራክተርነት ተዋፊሮም ዝስርሑ ወገናት በቲ ናይተን ቢሮታት ኣሰራርሓ ከምዘማረሩ ኣብቲ ቦታ ዘለዉ ምንጭታትና ገሊፆም።



ከም ሓበሬታ ምንጭታትና ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝርከቡ ኣብ ናይ ህንፃ ብኩንትራክተርነት  ዝስርሑ ዜጋታት  ኣብ ሓደ ሓደ ቤት ፅሕፈታት  ብዙሕ  ምጭብርባር የጋጥሞም ምህላዉ ዝገለፁ እንትኾን ብፍላይ   ቤት ፅሕፈት ሓለዋ ጥዕና ብ7 መስከረም 2008ዓ/ም ኣብቲ ክልል ዝስርሑ ኣብ ጥዕና ትካላት  ብኹንትራት ተዋፊሮም ንዝሰርሑ ብሙሉኦም ብሃንደበት ንተኾናተርቲ ኣብ ዝፀወዖ ኣኼባ  እዚ ህንፀት ብምጉታት ምኽንያት ካብ ዝተፈላለዩ ትካላት ገበርቲ ሰናይ ዝተረኽበ  ናይ ርዳእታ  ገንዘብ  እቲ ህንፃታት በብእዋኑ ስለዘይተወደአ እቲ ገንዘብ ተመላሲ  ብምዃኑ እቲ ቤት ፅሕፈት ኣዝዩ ከምዝተሓሳሶቦ ድሕሪ  ምግላፅ እቶም ተኾናተርቲ ብዝተኻእለ ብህፁፁ ነቲ ህንፀት ክወዳእዎን  ነቲ ብርዳእታ ዝተረኽበ ገንዘብ ካብ ምምላስ ከድሕንዎን ሓቲቱ።

ናይቲ ክልል  ቤት ፅሕፈት ሐላዋ ጥዕና  ናይቲ ስራሕ ሓለፍቲ እቲ ህንፀት ክሳለጥ ዋላኳ እንተሓተቱ ካብቶም ተዃናተርቲ ዝተርኽበ መልሲ ኣደንጋፅን ነይሩ ድሕሪ ምባል ብዙሓት ተኾናተርቲ ብብኽያትን ብምምራርን ኣብ ‘ቲ ቤት ፅሕፈት ሐላዋ ጥዕና ዝወረዶም በደል ብምግላፅ ናይቲ ምጉታት ተሓታቲ እቲ ቤት  ፅሕፈት’ዩ እናበሉ ክዛረቡ ተሰሚዖም።

ቤት ፅሕፈት ሐላዋ ጥዕና መብዛሕትኡ ጊዜ “በጀት የለን” ብምባል ካብ ሽዱሽተ ወርሒ ክሳብ ትሽዓተ ወርሒ ዘመላለስዎም  ተኾናተርቲ ኣምሪሮም ከም ዝተዛረቡን እቲ ሓለዋ ጥዕና ናይዚ ዝሰርሑሉ ገንዘብ ብእዋኑ ብዘይምኽፋሉ ብዝተተሓዘ እቲ ስራሕ ብእዋኑ ወዲኦም ንምርካብ ከምዘይከኣሉን በዚ ምኽንያት ድማ ኣብቲ ፕሮጀክት ንዝሰርሑ ሰራሕተኛታትን  ሰብ ሞያን ካብቲ ጉቡእ ንላዕሊ ክፍሊት ንኽፍፅሙ ምግዳዶም ድሕሪ ምግላፅ  ከምውፅኢቱ ድማ ዝኸፍልዎ ሲኢኖም ንብረቶም ክሳብ ምሻጥ በፂሖምን ብብኽያት ኣሰኒዮም ክገልፁ ተራእዮም፣።