Saturday, October 17, 2015

ኣብ ምዕራብ ኣርማጨሆ ንጥዕና ኣገልግሎት ዝውዕል እኹል ባጀት ገዛኢ ስርዓት ብዘይ ምምዳቡ ኣብ ልዕሊ ነበርቲ ሽግር ይበፅሕ ምህላዉ ተሓቢሩ።



ኣብ ወረዳ ምዕራብ ኣርማጨሆ ኣብ ሃገርና ልዑል ሕርሻዊ ስራሕቲ ካብ ዝከናወነሉ ከባብታት ሃገርና ዝጥቀስ ኮይኑ ኣብቲ ወረዳ ውሽጢ ዝርከቡ ጥዕና ትካላት ግቡእ ኣገልግሎት ዝህብሉ ባጀት ገዛኢ ስርዓት ብዘይ ምምዳቡ። በብዓመቱ ዘዕግብ ኣገልግሎት ክህቡ ከም ዘይከኣሉ ኣመራርሓን ሰብ ሞያን ጥዕና ናይ'ቲ ወረዳ መሰረት ብምግባር ዝተረኸበ ሓበሬታ ኣረዲኡ።
ኣብ ወረዳ ምዕራብ ኣርማጨሆ ዘሎ ነባሪ ኣስታት 45 ሽሕ ብምባል ገዛኢ ስርዓት ዘቐምጦ በቲ ቁፅሪ በዝሒ ህዝቢ ዓመታዊ ባጀት ዋላ እንተተመደበ ብጭቡጥ ዘሎ በዝሒ ህዝቢ ኣብ ሕድሕድ ጣብያ ብፍርቂ ምዉሳኹ ዝገለፁ ሽሞም ክጥቀስ ዘይደለዩ ኣመራርሓን ሰብ ሞያን ጥዕና እታ ወረዳ ናብቲ ከባቢ ካብ ክልተ ክሳብ ሰለስተ ሚኢቲ ሽሕ ንመዓልታዊ ስራሕ ኢሎም ዝመፁ ወሲኹ ኣገልግሎት ሕክምና ናይ ምሃብ ሓላፍነቶም ንምዉፃእ ከም ዝዓገቶም ተዛሪቦም።
ኣብቲ ከባቢ ብዘሎ ሕማም ዓሶ ብዙሓት ተንቀሳቐስቲ ሰራሕተኛታት ከም ዝሓሙ ዝገለፁ እቶም ሰብ ሞያ መብዛሕትኡ መድሓኒት ነቲ ተንቀሳቓሲ ሰራሕተኛ ምስተጠቐምሉ ነበርቲ እቲ ከባቢ ኣገልግሎት ሕክምና ንምርካብ ናብቲ ትካል ጥዕና ኣብ ዝኸድሉ መድሓኒት ካብ ደገ ክዕድጉ ምግባር ናብ ባእሲ የእትዎም ምህላዉ ድሕሪ ምግላፆም ከምኡ'ዉን ኣብቲ ከባቢ ንዝፍጠሩ ግዜ ዘይህቡ ተላባዕቲ ሕማማት ወፍሪ ንምግባር ዝምደብ ባጀት ብመጠን ዘሎ በዝሒ ህዝቢ ዘይኮነ ብቅድሚ 10 ዓመታት ብዝነበረ ቁፅሪ ህዝቢ ከም ዝስለዓሎም ጭቡጥ መረዳእታ ዝረኸብሉ ኣጋጣሚ ምህላዉ እቶም ሰብ ሞያ ወሲኾም ገሊፆም።