Saturday, October 17, 2015

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ህዝቢ ዝቐርብ ዘሎ ምህርቲ ፀባ ብዝምልከቶም ኣካላት ቁፅፅር ስለ ዘይግበረሉ ንሕማም ፀላም ከብድን ካንሰርን የሳጥሕ ከም ዘሎ ተፈሊጡ።



ካብቲ ቦታ ዝተረኸበ ሓበሬታ ከም ዘመልክቶ ሓዱሽ ዓለም ለኸ ሃፍቲ እንስሳ ምርምር ኢንስቲትዩት ንሽድሽተ ወርሒ ዝኣክል ኣብ ዘካየዶ መፅናዕቲ ኣብ ከተማ ኣዲስ አበባ ፀባን ዉፅኢት ፀባን ምህርቲታት ልዑል ዝኾነ ንሕማም ፀላም ከብድን ካንሰርን ዘቃልዕ (ኣፍላቶክሲን) ዝተብሃለ ከሚካል ከም ዘለዎም ኢፋ ዝገበረ ኮይኑ እቲ ትካል ነቲ መፅናዕቲ ኢፋ ኣብ ዝገበረሉ ምህርቲ ፀባ ኣዲስ ኣበባ ንተጠቀምቲ ጥዕናዊ ስግኣት ከም ዝኾነ ብመረዳእታ ኣደጊፉ ብምትንታን ገሊፁ።
በቲ መፅናዕቲ መሰረት አፍላቶክሲን ዝተብሃለ ንሕማም ፀላም ከብድን ካንሰርን ዘሳጥሕ ከሚካል ቢ1፤ቢ2፤ ጂ1ን ጅ2ን ዝብሃሉ ኣርባዕተ ምድባት እንትህልዎ በቢዓመቱ ትሽዓተ ሽሕ ንዝኾኑ ብፀላም ከብድን ካንሰርን ንዝሞቱ ሰባት ምክንያት ከም ዝኾነ እቲ መፅናዕቲ ወሲኹ ገሊፁ። ብፍላይ ድማ ንህፃናት ሕማማት ናይ ምክልኻል ዓቕሞም ብዝኸፈአ ስለ ዘጉድል ብዝበለፀ ንዝምልከቶም ኣካላት ተጠየቕቲ ይገብሮም ኢሉ።