Friday, October 30, 2015

ኣብ ስልጣን ዘሎ ገዛኢ ጉጅለ ኢህወዴግ ዜጋታት ንፁሃት እናሃለዉ ምእሳርን ምስቓይን ከም ባህሪ ሕዝዎ ምቕፃሉ ብሄር ብሄረሰባት እዛ ሃገር ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከም ዘለዉ ዘረጋግፅ ከም ዝኾነ ተገሊፁ።



ብመሰረት እቲ ሓበሬታ በቢ ክልሉ መዓልታዊ ዝፈፀሞ ገበን ዘይብሉ ሕብሩ ዓይኑ ደስ ኣይበለናን እናተብሃለ ብትእዛዝ ካድረታት ኢህወዴግ ዝእሰርን ዝሳቐን ዜጋ ካብ ምብዝሑ ዝነቐለ ክንድ'ዚ ኢልካ ንምግላፅ ኣፀጋሚ ከም ዝኾነ ድሕሪ ምግላፅ ኣብ ከምዚ ዝበለ ኩነታት ኮይንካ መዓልቲ ባንዴራን መዓልቲ ብሄር ብሄረሰባትን እናበልካ ምብዓል ምስሉይነት ካብ ምዃን ሓሊፉ ኣብ ባይታ ትርጉም ክህልዎ ከም ዘኽእል ተገሊፁ።
ኣስዒቡ እቲ ሓበሬታ ኣብያተ ማእሰርቲ ሃገርና ኣብዚ ሕዚ እዋን በቶም መፍረይቲ መናእሰይ ኣዕለቕሊቐን ዘለዋ ገበን ስለ ዝፈፀሙ ብሕጊ ተፈሪዶም ዘይኮነ ብፖለቲካዊ ዉሳነ ኣግባብነት ብዘይብሉ ንዓመታት ምእሳሮምን ምስቓዮምን ንፁሃት ዜጋታት ኣብ ሃገሮም ክብሪ ስኢኖም ዓዲ ጓና ክናፍቑን ምስ ካብ ሃገር ምስ ወፁ ድማ ሱር ነቀል ዝኾነ ናይ ስርዓት ለዉጢ ከይተገበረ ናብ ዓዶም ንምምላስ ፍቓደኛታት ዘይኮኑ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ክበራኸቱ ይገብር ምህላዉ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።