Friday, October 30, 2015

ኣብ ወረዳ መረብ ለኸ ዝነብር ህዝቢ ዓብዪ ሕቶ ዝሕረስ መሬት ዘለዎ ኮይኑ ነዚ ንምፍታሕ ብዝብል ኣመሓደርቲ ዝኽተለዎ ዘለዉ ኣተዓዳድላ ፍትሓዉነት ዝጎደሎ ከም ዝኾነ ተገሊፁ።



ብመሰረት እቲ ሓበሬታ ኣመሓደርቲ ክዕደል ኢሎም ዘዳለዉዎ መሬትን ነቲ ሕቶ መሬት ዘለዎ ቁፅሪ ሰብ ዝባፃሕ ብዘይ ምዃኑ ንሶም ዝኽተለዎ ኣተዓዳድላ ድማ ነቲ ወዲ 50/40 ዓመት ምስ'ቲ ወዲ 18 ዓመት ብሓደ ዕጫ ከዉድቕዎ ከለዉ እቲ ወዲ 18 ዓመት መሬት እንትበፅሖ እቲ ወዲ 50/40 ዓመት ናብራ መስሪቱ ሰለስተ ኣርባዕተ ዉላድ ዘለዎ ድማ ከይበፀሖ ክተርፍ ምግባር ፍፁም ፍትሓዉነት ዘይብሉ ኣካይዳ እዩ። ቀዳምነት ክረክብ ዘለዎ ብካልኣይ ክረክብ ዘለዎን ነንበይኑ ተፈላልዩ ዕጫ ክዋደቕ ኣለዎ ብምባል ህዝቢ ነቲ ኣመሓደርቲ ዝኽተለዎ ኣሰራርሓ ፍትሓዉነት ዝጎደሎ ብምባል ከም ዝተቓወሞ ተፈሊጡ።  
ከምኡ 'ዉን ንሕርሻ መሬት ዝበፅሖ ሰብ ኣብ'ታ ዝተወሃበቶ መሬት ገዛ ክሰርሕ ኣይፍቀደሉን እንተሰርሑ ድማ ብሕጊ ከፍርስ ይግበር ከም ዘሎ። ኣበይ ደኣ ክሰርሕ እንተበለ ድማ ንፈልጦ የብልናን ዝብል ምላሽ ይህብዎ ስለ ዘለዉ እቲ ሰብ መጠሻ መሬት ክሳብ ዝረክብ ናብ ኣከባብኡ ናብ ዝርከብ ከተማ ከይዱ ገዛ ተኻርዩ ምንባር እንተጀምረ ድማ ዓዱ ለቒቑ ከይዱ ብዝብል ሸፈጥ ነታ ሕርሻ መሬቱ ኣለዒሎም ንካልእ ሰብ ይዕድልዎ ብምህላዎም እቲ ገባር መንእሰይ ብጀካ ሕርሻ መሬት ካልእ ሰሪሑ ናብርኡ ዝመርሓሉ ዕድል ማለት ብማሕበራት ተወዲቡ ዝስርሓሉ ኣጋጣሚ ብዘይምህላዉ ብስራሕ ስእነት ዝሳቐ ብርክት ዝበለ ወገን ምህላዉ ተገሊፁ።