Monday, November 2, 2015

ን18 ዓመታት ብናይ ሓሶት ጠቐነ ተፈሪዱዎ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝርከብ ጋዜጠኛ እስክንድር ነጋ ሽልማት ናይ ፔን ካናዳ 2015 ዓ.ም.ፈ ሰዓራይ ከም ዝኾነ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።



ብመሰረት እቲ ሓበሬታ ጋዜጠኛ እስክንድር ነጋ ኣብ መረፃ 1997 ዓ/ም ምስ መሪሕነት ዉድብ ቅንጅት ብሓንሳብ ተኣሲሩ ዝተፈተሐ እንትኾን ቅድም ኢሉ ድማ ምስ ምፅሓፍ ስሩሑ ብዝተተሓሐዘ ልዕሊ 5 ግዜ ተኣሲሩ ከም ዝነበረን ኣብ ዝሓለፉ 3 ዓመታት ድማ ብናይ ሽብርተኛ ገበን ተኸሲሱ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዘሕለፈን ሕዚ 'ውን ን18 ዓመት ተፈሪዱዎ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝርከብ ኢትዮጵያዊ እዩ።
ስራሕን ተግባርን ጋዜጠኛ እስክንድር ነጋ ዶባትን ባሕርን ዝሳገሩ መምህራን እዮም ዝበለ እቲ ሓበሬታ ንብዙሓት ድማ ንስለ መሰል ዜጋታትን ዴሞክራስን ንዝቃለሱ ውልቀ ሰባት ይኹን ውድባት ናይ ፅንዓትን መርኣያን እዮም ብምባል በቲ ስርሑ ድማ 5 ሽሕ ዶላር ኣብ መበል 36 መዓልቲ  ዓለም ለኸ ፀሓፍቲ ንምሽላም መደብ ከም ዝተትሓዘ ተገሊፁ።
ብተመሳሳሊ ማእሰርቲ ጋዜጠኛ እስክንድር ነጋ ኣግባብነት ዘይቡሉን ናይ ዓለም ለኸ ሕጊ ዝጠሓሰ እዩ ክፍታሕ ኣሎዎ ብምባል ብትካላት ተጠባበቕቲ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት መንግስታት ብተደጋግሚ ከም ዝገልፅ ተፈሊጡ።
እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ከም ዘርዶኦ ጋዜጠኛ እስክንድር ነጋ ቅድሚ 3 ዓመታት ናይ ፔን ባርባራ ጎልድ ስሚዝ ፍሪደም ቱ ራይት ከምኡ ’ውን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ጎልደን ፔን ኣዋርድ ኦፍ ፍሪደም  ስዒሩ ከም ዝተሸለም ኣፍሊጡ። 
  ኣብ መወዳእታ እቲ ሓበሬታ ገዛኢ ስርዓት ኢህወደግ ንጋዜጣኛ እስክንድር ነጋ ጋዜጣ ከየሕትም ኣጊድዎ ብምንባሩ ምኽንያት መእገዲኡ ድማ እቲ ስርዓት ምውድቑ ዘይተርፎ ምዃኑ ጭቡጣት መረዳእታት ዘለዎም ፅሑፋት ኣብ ማሕበራዊ መርበብ ሓበሬታ ብምቅላዕን ብምፅሓፍን ቅሳነት ስለ ዝኾለኦ ከም ዝኾነ ይገልፅ።