Monday, November 2, 2015

ኣብ ክልል ትግራይ ብድርቂ ንዝተሃሰዩ ወገናት ክዉዕል ተባሂሉ ዝኣቱ ዘሎ ናይ ረዲአት ስርናይ ብካድረታት ህወሓት ናብ ናይ ውልቀ ፋብሪካ ይሽየጥ ከም ዘሎ ተገሊፁ።



ብመሰረት እቲ ሓበሬታ ከም ዘመላኽቶ ኣብ ህዝቢ ትግራይ ኣጋጥሙ ዘሎ ሕፅረት መግቢ መድሓኒ ህይወት ክውዕል ተባሂሉ ካብ ለገስቲ ትካላትን ሃገራን ዝኣቱ ዘሎ ናይ ረዲአት ስርናይ ናብቲ ዝተጠቐዐ ሕብረተሰብ ከይተዓደለ ውሑዳት ሓለፍትን ካድረታትን ምስ ውልቀ ሃፍታማት እናተሻረኹ ን50 ኪሎ (ቅጥዓ) ካብ 250-300 ብር ንናይ ውልቀ ፈብሪካ ሑሩጭ ይሸጥዎ ብምህላዎም በቲ ሓደጋ ዝተጠቕዑ ወገናት ብጥምየት ሂወቶም ኣብ ኣስጋኢ ደረጃ ዝወድቑ ወገናት ብዕፅፊ ክውስኽ ይገብሮ ከም ዘሎ ተፈሊጡ።
ካብቲ ሸይጦም ዝረኸብዎ ገንዘብ እቲ ዝኣኽሎም ዝበልዎ ንባዕሎም ምስ ሰረቑ ዝተረፈ እንተሎ ድማ ንኣባይ ግድብ መስርሒ እናተብሃለ ካብ ኣፍ ጥሙይ ህዝቢ ምምንዛዕ ነቲ ህዝብና ሓሊፉሉ ዝብልዎ ምስሉይ ኣበሃህልኦም ንምሽፋንን ምስቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ሓደጋ ጥሜት መልክዑ ዝቐየረ ናይ ግዕዝይና መርበብ ኣተኣታትዮም ንምዝራፍን ዝጥቀምሉ ዘለዉ ፀረ ፍጡር ወዲ ሰብ ኣካይድኦም ምዃኑ ተገሊፁ።
  እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ከም ዘመላኽቶ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ኣብ ክልል ትግራይ ከተማ መቐለ ብዕለት 8 ጥቅምቲ ኣብ ናይ ለምለም ፋብሪካ ሑሩጭ 2 ዓበይቲ መኻይን ምስ ተሳሓቢአን ስርናይ ፂዒነን ከም ዝተራእያን ካብቲ ርዳታ ዝተመንዘዐ ከም ዝኾነ ንፈለጥቲ ምሽጥር መሰረት ዝገበረ ሓበሬታ ገሊፁ።