Monday, November 2, 2015

"ወጠጦ ንወጠጦ እንተመኸሩስ ኣይንተሓረድ" በሉ።



      ከም ዝፍለጥ ኢህወዴግን ንሱ ዝመርሖ ገዛኢ ስርዓትን ጉባኤታት ንምክያድ ብዝብል ከም ደምቢ ንዘቐመጦ ተኸቲሉ ካብ ዘካይድ ኣስታት ዓሰርተ ዙር ኣቑፂሩ ኣሎ፣ ኣብ ትሕቲ ኢህወዴግ ብደረጃ ግንባር ዘለው ከም ህወሓት፤ ብኣዴን፤ ኦህዴድን ደኢህዴንን ቀዲሞም ንይምሰል ጉባኤ ኣካይድና ይብሉ።
    ካብ ላዕሊ ብደረጃ ፌዴራል እቲ ስርዓት ዝርከቡ ናብ ነፍሲ ወከፍ ክልላዊ ምምሕዳር ወሪዶም ኣብ ወርሒ ነሓሰ ንዘሳለጥዎ ጉባኤታት ክረአ ከሎ እቲ ከይዲ ኣፈፃፅማ ነቲ ኣብ ሃገርና ብሰንኪ ጉዕዙይ ምሕደረኦም ተፈጢሩ ዘሎ ሕድሕዳዊ ጎንፅን ከርፋሕ ሂወት ዘሕልፍ ዘሎ ውፁዕ ህዝብን ከምኡ ‘ውን ናብራ ከቢዱዎን ፍትሒ ስኢኑን ናብ ስደት ኣምሪሑ ኣብ ፈቐዱኡ ወፃኢ ሃገራት ዝእሰርን ዝሕረድን ዘሎ ዜጋ ዝምልከት ብዕምቆት ተዘቲዩሉ ጠንቁን ኣፈታትሑኡን ከም ውድብን ገዛኢ መንግስትን ውሳነታት ዝዓረፈሉ ዘይኮነስ።
   ብድፍኑ ሃገር ብሳላ ዉድብና ኣብ ዝለዓለ ብርኪ ዕብየት በፂሓ በቢ ዓመቱ በዓል ክልተ ኣሃዝ ዕብየት ተመዝግብ ኣላ፥ ዝሓንፀፅናዮ ቀዳማይ ትልሚ ዕብየትን ስግግርን ብዓወት ተዛዚሙ፥ ኣብ ካልኣይ ትልሚ ዕብየትን ስግግርን ብዝለዓለ ደረጃ ክቕፅል እዩ ብዝብልን ካልእ መግለፅታትን ለበዋታትን እናመደሩ ብህዝቢ ኢትዮጵያ የላግፁ ምህላዎም ኩሉ ዜጋ ክፈልጦም ይግባእ።
   እንተ እቲ ጉባኤ ከም’ቲ ናይ ኩሉ ግዜ ዝገብርዎ ስልታዊ ብዝኾነ መድረኽ እናተቐለሰ ውሑዳት ብዘሽከርክሩዎ ክሳለጥ ብምግባርን ኢሉ ‘ውን ካብ ሞንጎ ጉባኤተኛታት ናይ ህልውና ሕቶታት እኳ እንተቐረቡ በቶም በቢ ዓውዱ ንዝምልከቶም ሓለፍትን ርእሰ ምምሕዳር ክልላትን ዝተወሃበ መልሲ ዘሰላቸዉ፤ ምስሉይን መደናገርን ኣካይዳ ኮይኑ ከም ዝሓለፈ ዝፍለጥ እዩ።
  ብምዃኑ ድማ እቲ ጉባኤ ብዓንተውኡ ተወዲኡ ዘሳለጥዎ እኳ እንተኾነ ከም ግዴታ ውሱን ህዝቢ ኣሳቲፎም ንረአይልናን ስምዑልናን ክፍፅምዎ ስለ ዘለዎም ነቲ ኣብ’ቲ ጉባኤ ዝተሳተፈን ብሚድያ ዝተኸታተለን ህዝቢ ሕማቕ ትምህርቲ ኮይኑዎ ሓሊፉ'ዩ።
  በዚ መሰረት ድማ በቲ ተሳታፊ ኣብዛሓ ድምፂ ንዝረኸቡ ሓለፍቲ እንተለው ነቶም ትሑት ድምፂ ዝረኸቡ ኣብ ኣመራርሓ ዝፀንሑ ብዝነበርዎ ክቕፅሉ ብምግባር ካልኦት ነባራት ድማ ብዕድመ መሰረት ተባሂሉ ዝተወሰኑ ወፂኦም እኳ እንተበሉ ፃምእ ስልጣን ዝመንቀሊኡ ሒዘሞ ዝፀንሑ ኣመራርሓ ንዘይምርካብ ምጉጅጃልን ምውዳብን ከም ዘስዓበ ሩዱእ እዩ።
   ብሓፈሻ መራሕቲ ኢህወደግ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ዘካየዱዎ ጉባኤታት ኣኸቲሎም ኣብ ወርሒ መስከረም ብኣቕራብነት ጠቕላይ ሚኒስተር እቲ ጉጅለ ዝተገበረ ምሻም ካብኔ ሚኒስተራት ዝምልከት በቲ ዉክልና ህዝቢ ዘይብሉ ንይምሰል ዝተዋቐረ ሽማዊ ፓርላማ ንኽፀድቕ ዝተገበረ ድራማ ምምሕያሽ ዝተረኣየሉ ዘይኮነስ ከም'ቲ ልሙድ ዘካይድዎ ፖለቲካዊ መለክዒ መሰረት ዝገበረ ሽመት ኣብ ዝነበርዎ ክቕፅሉ እንትገብር ኣብ ውሑዳት ዝገበርዎ ናይ ጨንፈራት ለውጥን ምስፋሕን ቀፃልነት ዘለዎ ዘይኮነስ በቢ ግዚኡ ፈሪሱ ዝለዋወጥ መደናገሪ ኣካይዳ ናይ'ቲ ስርዓት ምዃኑ ኩሉ ዝፈልጦ ሓቂ እዩ።
ስለ'ዚ ረብሓ ህዝቢ ብዕብጡን ብሱል ኣመራርሓ ከይወፀን ጉጅለኣዊ ረብሕኦም ንምዉሓስ ክብሉ “ወጠጦ ንወጠጦ እንተመኸሩስ ኣይንተሓረድ” በሉ ዝዓይነቱ ፈሊጥ ተኸቲሎም ኣብ ውልቀ ሂወቶም ቀፃልነት ጥራሕ ብምትኳር ሕቶን ትፅቢትን ህዝቢ እናሰገርዎ እንትርከቡ ሰዓቤኑ ግን ካብቲ ዝፈርሕወን ድቃስ ዝኸልእ ሕማም ኮይኑዎም ዘሎ ዉድቀት ከም ዘየምልጡን መወዳእታኡ ድማ ሃገርን ህዝብን ለኪሞም ናብ ሓደጋ ዕንወት ብጋህዲ ታተ ኣብ ምባል ይርከቡ።