Friday, November 6, 2015

ክፍሊ ታዕሊም ዴሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ህዝቢ ትግራይ /ዴምህት/ ንነዊሕ ኣዋርሕ ብወተሃደራዉን ፖለቲካዉን ከስልጥኖም ዝፀንሐ ብኣማኢት ዝቑፀሩ ተዓላምቲ ኣመሪቑ።





ክፍሊ ታዕሊም ዴምህት "ኣሰር" ዝብል ስያሜ ሂቡ ንብርክት ዝበሉ ኣዋርሕ ብወተሃደራዉን ብፖለቲካዉን ከሰልጥኖም ዝፀንሐ ብኣማኢት ዝቑፀሩ ተዓለመቲ ብ20 ጥቅምቲ 2008 ዓ.ም ላዕለዎት ሓለፍትን ወተሃደራዊ ኣዘዝትን ዴምህት ኣሕዋት ዉድባትን ከምኡ'ዉን ፈተዉትን ደገፍትን ቃልስና ዝኾኑ ዕዱማት ኣጋይሽ ኣብ ዝተረኸብሉ ዉዕዉዕን ድሙቕን ብዝኾነ ኣገባብ ኣመሪቑ ኣሎ።
ኣብ'ዚ ምረቓ ዝተረኸበ ላዕለዋይ መሪሕነት ዉድብ ዴሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ህዝቢ ትግራይ ዴምህት ተጋደላይ መኮነን ተስፋይ ኣብ ዘስመዖ ቃል ገለ ተወላወልትን መድሓርሓርትን ካብ'ቲ መስመር ቃልሲ ሸታሕታሕ ኢናበሉ እንትእለዩ ቃልሲ ዉድብ ዴምህት ግን ብኣንፃሩ ብወተሃደራዉን ፖለቲካዉን ዓቕሙ ገዊዱ ንቕድሚት ኣብ ምሕምባብ ከም ዝርከብ እዞም ብኣማኢት ዝቑፀሩ ተመረቕቲ ኣሰር እኹልን ሓቀኛን ምስክር ከም ዝኾኑ ኣብ ዝረብኡ ዝሰመረሉ ቀንዲ ሕሳብ ኮይኑ።
 ነቲ በዓል ንምድማቕ ዘድሊ ምድላዋት ኣፅፊፋ ዝተረኸበት ክፍሊ ባህሊ ዴምህት ብዝተፈላለዩ ቋንቋታት ሃገርና ኣወሃሂዳ ሕዛቶ ዝቐረበት ደርፍታት፤ ድራማታትን ካልኦት ትሕዝቶታትን ድማ ነቲ ስነ ስርዓት ምረቓ ፍሉይ ምቓረት ክህቦ ክኢሉ እዩ።
ዝኸብርኩም ተኸታተልቲ ሙሉእ ትሕዝቶ ስነ ስርዓት ምረቓ ተዓለምቲ ኣሰር ድሕሪ ዜና ከም ዝቐርብ ክነዘኻኽረኩም ንፈቱ።