Friday, November 6, 2015

ብሽም ንዓቃቢ ሰላም ዝተለኣኹ ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ተባሂሉ ዝርከብ ገንዘብ ብገዛኢ ስርዓት እናተቖረፀ ይተረፍ ከም ዘሎ ምንጭታትና ገሊፆም።



ብመሰረት ሓበሬታ ምንጭታትና እቲ ብሽም ንዓቃቢ ሰላም ዝተለኣኹ ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል እናተብሃለ ዝርከብ ገንዘብ ብገዛኢ ስርዓት ኢህወዴግ ብዘለዎም ደረጃ ሓላፍነት ማለት ታሕተወት ወተሃደራት 30% ፤ ንመስመራዊ መኮነናት 35% ፤ ካብ ሻለቃ ክሳብ ኮሌኔላት 40% እንትኽፈሉ ካብ በርጌዳል ጀነራል ንላዕሊ ዝመዓርጎም ግን ሙሉእ ደመዎዞም ንኽወሃቦም ብምግባር ዘስዓቦ። እቶም ታሕተወት ኣባላት ሰራዊት ኣብ'ታ ዘይብላስ እንደገና ናትና ኣባላት ካብ'ቶም ካባና ንላዕሊ ደመዎዝ ዝኽፈሎም ላዕለወት ኣዘዝቲ ብዝለዓለ ስለ ምንታይ ይቑረፅ ዝብል ሕቶ ብተደጋጋሚ ከም ዘቕርቡ ተፈሊጡ።
እንተኾነ ግና ባዕሎም እቶም ሕቶ ተቐበልቲ ባዕሎም ሰብ ረብሓ ሓለፍቲ ስለ ዝኾኑ ምኽንያታዉን ኣዕጋብን መልሲ ክወህቡ ብዘይ ምኽኣሎም ነቲ ውትህድርና እናራሕርሑ ናብ ገዘኦምን ካልእን ይኸዱ ከም ዘለው ተፈሊጡ።