Tuesday, December 29, 2015

ኣብ ዝተደረቑ ከባብታት ሃገርና ኢትዮጵያ ብጥሜትን ሽግርን ዝሳቐዩ ዘለዉ ወገናት ንምሕጋዝ መንግስቲ ዝግባእ ምንቅስቓስ ይገብር ከም ዘየለ ተገሊፁ።



ብምሰረት እቲ ሓበሬታ ዝተደረቑ ከባብታት ሃገርና ንዝነብሩ ወገናት ብገዛኢ ስርዓት ኢህወዴግ ዘድሊ ምንቅስቓስ ይግበር ብዘይ ምህላዉ ብጥሜትን ሽግርን ዝሳቐዩ ዜጋታት ብርክት ዝበሉ ምዃኑ ድሕሪ ምግላፅ እቲ ካብ ገበርቲ ሰናይ ትካላትን ሃገራትን ዝርከብ እኽሊ ድማ ተሓጋዚ ካብ ምብዙሑ ዝነቐለ ክባፃሕ ብዘይ ምኽኣሉ ብዕጫ ክከፋፈል ይግበር ከም ዘሎ ንናይ ዓይኒ መሰኻኽር መሰረት ብምግባር ዝወፀ ሓበሬታ የረድእ።
ኣስዒቡ እቲ ሓበሬታ ከም ዘረድኦ ህይወት ሰባት ብጥሜትን ሽግርን እናተሳቐየ ኣካላት ምምሕዳር ነቲ ሓገዝ ተባሂሉ ዝመፀ እኽሊ ኣብ ምሃብ ኣድልዎን ምጥፍፋእን ይፍፅሙ ስለ ዘለዉ ነቲ ጥሜት ዝወለዶ ስቓይ ኣብ ምግዳድ ዝለዓለ ግደ ከም ዝሓዙ ድሕሪ ምግላፅ ገዛኢ ስርዓት ኣብ ዝተደረቑ ከባብታት ትኹረት ሂቡ ክሰርሕ እንተዘይ ክኢሉ በዚ ሓደጋ ዝጠፍእ ህይወት ዜጋታት ክጋደድ ከም ዝኽእል እቶም ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ኣገንዚቦም።