Tuesday, December 29, 2015

ኣብ'ዚ ዓመት ብመደብ ዝተታሕዙ ናይ ሓይሊ ኤሌትሪክ መመንጨዊ ፕሮጆክትታት ብሕፅረት ፋይናንሳዊ ኣቕርቦት ክሳለጡ ከም ዘይኽእሉ ተገሊፁ።



ኣብ ምስሉይ ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ገዛኢ ጉጅለ ኢህወዴግ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳይ ከባብያውን ተፈጥሮኣውን ሃፍትን፤ ኣብ ሚኒስተር ቤት ፅሕፈት ተፀዋዒ ማይን መስኖን ኤሌትሪክን ኣፈፃፅማ ስራሕ መደብ 2008 ዓ/ም ናይ መጀመርታ ሩብዒ ዓመት ኣመልኪቱ ብ4 ታሕሳስ 2008 ዓ/ም ኣብ ዝገምገመሉ እዋን።
እቶም ኣብ ዝቕፅል ካልኣይ ትልሚ ትራንስፎርሞሽን ክፍፀሙ ዝተተሓዙ ፕሮጀክት መመንጨዊ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ንመስርሕኦም ዝዉዕል ዝተሰለዐ ባጀት ብዘይ ህላው ክሳብ ሕዚ ዝተጀመረ ስራሕ ከም ዘየለን፣ ንቐፃሊ እንተኾነ 'ውን ሕፅረት ባጀት ስለ ዘሎ ብዓቕሚ መንግስቲ ክስርሑ ከም ዘይኽእሉ ሓላፊት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ኢንጅነር ኣዜብ ኣስናቀ ምግላፀን ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
እተን በዓልቲ ስልጣን ኣብ ዝተዉሃበ ሰፊሕ መብርሂ፣ ኣብዚ ዓመት ናብ ተግባር ክኣትው ብመደብ ካብ ዝተታሕዙ መመንጨዊ ሓይሊ ኤሌትሪክ ፕሮጀክትታት፣ ጨሞጋ ይዳ 278 ሜጋ ዋት፣ ገባ 214 ሜጋ ዋት፣ ሐለሌ ወራቤሳ 422 ሜጋ ዋት፣ አይሻ የንፋስ ኃይል ማመንጫ 300 ሜጋ ዋት ናይ ምምንጫዉ ዓቕሚ ኣለዎም ዝተብሃሉ ፕሮጆክትታት ክሳብ ሕዚ ህንፀቶም ከም ዘይተጀመሩ እቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ኣረዲኡ።