Friday, December 25, 2015

ኢህወዴግ ኣብ ስልጣን ክሳብ ዘሎ ሙሱና ካብ ሃገር ኣይጠፍእን



ከም ዝፍለጥ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኣብ ቤት ፅሕፈት ኣታዊ ውሽጢ ሃገርን ጉምሩክን ዝሰርሑ ውሑዳት ሰበ ስልጣንን ተሓባበርቲ ዝተብሃሉ ውልቀ ነጋዶን ብሙሱና ተወንጂሎም ናብ ቤት ማእሰርቲ ምውራዶም ስዒቡ። ገዛኢ ስርዓት ኢህወዴግ ፀረ ግዕዝይና ኮምሽን ንምምሳል ጥሩምባ ኣብ ምንፋሕ ይርከብ፣
   ሓደ ሓደ የዋሃት ዜጋታት እዚ ጥሩምባ ሰሚዖም ገዛኢ ስርዓት ሙሱና ንምጥፋእ ወፍሪ ዝጀመረ መሲሉዎም ተስፋ ክገብሩ ይረኣዩ ኣለው፣ እዚ ድማ እቲ ስርዓት ንይምሰል ዝገብሮ ዘሎ ደኣ ‘ምበር ናይ ብሓቂ ናይ ኢህወዴግ መንግስቲ ንግዕዝይና ተፀይፉ ካብ ሃገር ንኸጥፍእ ናይ ተበግሶን ቆራፅነትን ወነ ተላቢሱ። ኣብ ልዕሊ ሙሰኛታት ሕጋዊ በትሪ ንከዕርፈሎም ሓሲቡ ኣይኮነን፣
    ብመሰረቱ። ሙሱና ናይቲ ስርዓት መቖሚ ዓንዲ ካብ ዝኸውን ውዒሉ ዝሓደረ እዩ፣ ኣብታ ሃገር ዴሞክራስያዊ ትካላት እናተመናመኑ ኣብ ዝኸዱሉ። ብኡ መጠን ድማ ሙሱና እናዓመረ ከይዱ፣ ካብ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ክሳብ እቶም ታሕተዎት ናይቲ ስርዓት ኣገልገልቲ ዝኾኑ ካድረታት ኣብ ሙሱና ዘይጠሓለ ሰብ ምድላይ ማለት ካብ ኣህባይ መልከዐኛ ከም ምምራፅ  ከቢዱ ንረኽቦ፣
   ናይ ኢወዴግ ዓበይቲ ሙሰኛታት ንምሽፋን ኣናእሽተይ ሙሰኛታት ሓሓሊፍካ ብምእሳር ፀረ ሙሰኛታት መሲሎም ህዝቢ ንምዕሻው ምፍታን ሎሚ ናይ መጀመርያኦም ኣይኮነን፣ “ዓይኒ ሰራቒ ተቦቓባቒ” ከም ዝበሃል እቲ ገዛኢ ጉጅለ ጥዕና ዘለዎ ንከምስል እንተይሓፈረ ብድፍረት ሙሱና ንምጥፋእ ተላዒለ ኣለኹ ብምባል ብሙሱና ዝኸሶም ሰባት። እቲ ቀንዲ ጉዳይ ፖለቲካዊ ኣፈላላይ እንትፈጥሩ ማለት ዝቃወምዎ እንተኾይኖም። ሒሳቦም ንምሃብ ክኸውን እንከሎ በቲ ካሊእ ገፅ ድማ ንናይ ወፃኢ ረዲኤት ወሃብቲ ሃገራት ሙሱና ዝፀልእ መሲሉ ንክረአ እንትደሊ ጥራሕ ከም ዝኾነ ካብ ሕሉፋት ተግባራቱ ህዝቢ ኣፀቢቑ ነቒሑሉ እዩ፣
    ብዘይ ህዝባዊ ድጋፍ ስልጣን ተቖፃፂሩ ዝርከብ ገዛኢ ስርዓት እታ ሃገር ናብ ክትወፆ ዘይትኽእል ናይ ድኽነት ቁልቁለት እናዘፈቓን ናብ ዕዳ እናእተዋን ኣብ ዘለሉ። ብኣንፃሩ ድማ ናይቲ ስርዓት ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ኣብ ሙሱና ተዘፊቖም ካበይ መፅዩ ዘይበሃል ሃፍቲ ኣኪቦም ሰብ ፀጋ ኮይኖም፤ ከቢሮም፤ ንባዕሎም ካብ ሙሱና ነፃ ኮይኖም ንክረኣዩ። ኣብ ዝጠዓሞም ድማ ኮራኹሮም ብምእሳርን ኣብቲ ናይ ባዕሎም ሚድያ ከበሮ ሓምሓም እናወቕዑ ውዒሎም ይሓድሩ ኣለው፣
    ይኹን ‘ምበር እቲ ስርዓት ናይ ስልጣን ወንበሩ ካብ ዝቆናጠጠሉ ግዜ ክሳብ ሐዚ። ምስቲ ስርዓት ተመዓራርዩ ደው ኢሉ ዝኸይድ ሙሱና ጥራሕ እዩ፣ ኢህወዴግን ሙሱናን ንምፍልላይ ብጣዕሚ ኣፀጋሚ እዩ፣ ናይ ኢህወዴግ ኣባልን ደጋፍን ንምዃን ዝእከብን ዝምልመልን ብናይ መንግስቲ ሃፍትን ንብረትን ሰባት ብምጥባር ፈሪሖም ናቱ ደገፍቲ ንክኾኑ ድልየቶም ዘንፀባርቑሉ ቀንዲ ሜላ ምዃኑ ዓለም ዝፈለጦ ሓቅን ናይቲ ስርዓት ቀንዲ መፍለይን ከም ዝኾነ ካብ ዝኾነ ሰብ ዝተኸወለ ኣይኮነን፣
   ገዛኢ ፓርቲ ኢህወደግ በቢ ዕለቱ ናይ ፖለቲካ ውድባዊ ስርሑን ኣብ እዋን መረፃ ዝጥቀሞ ናይ መንግስቲ ገንዘብ፤ ተሽከርከርቲ፤ ነዳዲ፤ ቤት ፅሕፈት፤ ዝኽፈል ናይ መንግስቲ ናይ ውዕሎ ኣበል፤ ዝግልገለሉ ናይ ህዝቢ ቴለቭዥን፤ ሬድዮ፤ ጋዜጣ ወዘተ ዝኣመሰሉ ናይ ሙሱና ከይዲ መግለፂታት እዮም፣ ናይ መንግስቲ ናይ ስራሕ ዕድል ካብ ዝተምሃሩ ሰባት ከይተረፈ እናሕደገ። ብናይቲ ፓርቲ ኣባልነት መለክዒ ንዝተመልመሉ ኣባላት ዝወሃብ ኣድልዎ ዝተመልኦ ኣሰራርሓ። ናይ ግዕዝይና ውፅኢት ምዃኑ ሐዚ ኩሉ ህዝቢ እናተረድኦ ይመፅእ ኣሎ፣
     ኤፈርት፤ ጥረትን ዲንሾን ዝመሳሰሉ ናይ ኢህወዴግ ኩባንያታት ካብ ህዝብን መንግስትን ብዝተሰረቐ ሃፍቲ ምምስራቶም ከይኣኽሎም ትማሊ ብዘይ ተኻራኻሪ ካብ ባንኪ እናተለቀሐ ዝነግደልና ንግዲ። እንትኸስር ድማ እቲ ልቓሕን ወለድን ምኽፋል እንትስእን ካብቲ ድኻ ሕብረተሰብ ክሳርኡ ንምምላስ ዝፅዕር ስርዓት ምዃኑ ብጣዕሚ ዘሐዝን እዩ፣
   ሐዚ ድማ ናይ 2007 ዓ/ም ናይ ክረምቲ ወቕቲ ስዒቡ። ኣብ ኩሉ ናይ ሃገርና ከባብታት ሰፊሕ ድርቂ ኣብ ዝተኸሰተሉ ኩነታት። እቲ ህዝቢ ብናይ ጥምየት ሓለንጊ እናተገረፈ ኣብ ዘለሉ ግዜ። እዞም ብሽም ህዝቢ ዝነግዱ ዘለው ናይቲ ስርዓት ኣመራርሓ ነዚ ዝጠመየ ህዝቢ ሕቶ ዝምልሱ ዘይኮኑስ። ብሽም  ህዝቢ ካብ ለገስቲ ትካላትን ሃገራትን ዝርከብ ዘሎ ናይ ረዲኤት እኽሊ ካብ ኣፉ ንምሕዳግ ዝገብርዎ ሸበድበድ ናይቲ ስርዓት ግዕዙይ ባህሪ ዘጉልሕ ካብ ምዃኑ ሓሊፉ። ናይቲ ዝጠመየ ህዝቢ ጎሮሮ ዓፅዮም ዝምንጥሉ ቀንዲ ፀላእቲ ኮይኖም ንረኽቦም፣
   ንምጥቕላል። እቲ ስርዓት ሙሱናንን ሙሰኛታትን ንከጥፍእስ ይትረፍ። ብኣንፃሩ ሓደሽቲ ብሙሱና ዝተቓነዩ ኣመራርሓ ናብቲ ውድብ  እናእተወ ይርከብ፣ ስለዚ ኢህወዴግ ኣብ ስልጣን ክሳብ ዘሎ ሙሱና ካብ ሃገር ክጠፍእ እዩ ኢልካ ምፅባይ ፍፁም ኣይኽእልን፣