Friday, January 22, 2016

ኣብ ወረዳ ኣሕፈሮም ከተማ ገርሁስርናይ ፍታሕ ብዝሰኣነ ፀገም ዝሰተ ማይ ነበርቲ ንዝተፈላለዩ ማይ ወለድ ሕማማት ይቃልዑ ከም ዘለው ተገሊፁ።



ብመስረት ዝበፀሓና ሓበሬታ፣ ኣብ ዞባ ማእከል ወረዳ ኣሕፈሮም ከተማ ገርሁ ሰርናይ ሱር ዝሰደደ ፀገም ዝሰተ ማይ ከም ዘሎ ድሕሪ ምግላፅ፣ እቶም ይምልከቶም ዝብሃሉ ኣካላት መንግስቲ ድማ ነቲ ዘሎ ፀገም ማይ ዘላቒ ፍታሕ ዘምፅእ ኣብ ክንዲ ዝሰርሑ፣ ግዝያዊ ፅገና እናገብሩ ገንዘብ ህዝብን ሃገርን ለዉጢ ኣብ ዘየምፅእ ተግባር ብምብኻን ክንዲ’ዚ ዝኣክል ገንዘብ በጅትና ኣብ ስራሕ ዉዒሉ እናበሉ ኣብ ሚድያ ብምፅብፃብ ንመደናገሪ ይጥቀምሉ ምህላዎም ተገሊፁ።
ወሲኹ እቲ ሓበሬታ ከም ዘረድኦ፣ ኣብ ገርሁ ስርናይ ብዘሎ ፀገም ዝስተ ፁሩይ ማይ ምክንያት ነባሪ ህዝቢ ፅሬቱ ዘይሓለወ ካብ ዕቋራን ዒላታትን ንዝመፀ ሓደ ጀረካን ማይ ብልዕሊ 10 ቅርሺ እናዓደገ ክጥቀም ግድነት ኮይንዎ ስለ ዘሎ፣ ብሰንኪ እቲ ፅሬቱ ዘይሓለወ ማይ ሕብረተሰብ እታ ከተማ ብፍላይ ድማ ህፃናት ብዝተፈላለዩ ማይ ወለድ ሕማማት ኣብ ዝልከፍሉ ብቐረባ ብቑዕ ሕክምና ስለ ዘይረኽቡ ንካልእ ተደራቢ ሕማም ይቃልዑ ከም ዘለው ተፈሊጡ።
ብተመሳሳሊ ኣብ ቃፍታ ሑመራ ከተማ ማይ ካድራ ፀገም ፅሩይ ዝስተ ማይ ካብ እዋን ናብ እዋን እናተጋደደ ኣብ ዝመፀሉ፣ ብመንግስቲ ጠመተ ተገይሩ መሰረታዊ መፍትሒ ብዘይ ምግባሩ፣ ነባሪ ህዝቢ ኣብቲ ከባቢ ካብ ዝርከብ ሩባ ኣንገረብ ዝተቐደሐ ፅርየቱ ዘይሓለወ ማይ እናተጠቐመ ብዝተፈላለዩ ሕማማት ይሳቐ ከም ዘሎ ተገሊፁ።  



No comments:

Post a Comment