Friday, January 22, 2016

ኣብ ሃገርና ኢትዮጵያ ኣጋጢሙ ዘሎ ሕፅረት ምግቢ ዝፈጠሮ ሓደጋ ጥምየት ንማሕበረሰብ ዓለም ኣዝዩ ኣተሓሳሳቢ እናኾነ ይመፅእ ምህላዉ ይግለፅ ኣሎ።



ብመሰረት እቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ፣ ትካል ስርዓት ቅድመ መጠንቀቕታ ምግቢ ዝተብሃለ ከም ዘፍለጦ ለገስቲ ሃገራት ነቲ ድርቂ ንምክልኻል ክህብዎ ካብ ዝተሓተትዎ ርዳእታ ዝተለገሰ ዉሑድ ብምዃኑ፣ እቲ ኣብ ሃገርና ኣጋጢሙ ዘሎ ድርቂ ናብ ዝኸፍአ ጥምየት ክሰጋገር እዩ ክብል እቲ ትካል ቅድመ ምድላዉ ሕፅረት ምግቢ ከም ዘጠንቀቐ ተፈሊጡ። 
በቲ ኣብ ሃገርና ተፈጢሩ ዘሎ ድርቂ ንሕፅረት ምግቢ ዝሳጣሕ ህዝቢ ካብቲ ቅድሚ ሕዚ ዝተዉሃቦ ግምት ንላዕሊ ክኸዉን ከም ዝኽእል ዓለም ለኻዉያን ትካላት የፍልጡ ከም ዘለዉ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ፣ እቶም ኣብቲ ዓዉዲ ዝተዋፈሩ ትካላትን ማሕበራትን ከም ዝበልዎ፣ ብኣቆፃፅራ ኣዉሮፓ 2016 ሓገዝ ምግቢ ዝደሊ ቁፅሪ ህዝቢ ካብ እዋን ናብ እዋን ክውስኽ እዩ ድሕሪ ምባል፣   እቲ ትካል ምግቢ ቅድመ መጠንቀቕታ ዝተብሃለ ማሕበር ድማ ለገስቲ ሃገራት ነቲ ድርቂ ንምክልኻል ክህብዎ ዝተሓተትዎ ርዳእታ፣ ኣዝዩ ዉሕድ ብምዃኑ ናይ ምግቢ ሕፅረትን ናይ ጥምየት ሓደጋን ኣዝዩ ኣስጋኢ እዩ ብምባል ንማሕበረሰብ ዓለም ኣዘራራቢ ጉዳይ ኮይኑ ይቕፅል ምህላዉ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።

No comments:

Post a Comment