Friday, January 22, 2016

ንኢትዮጵያ ብሽም ልምዓት ዝወሃብ ርዳእታ ካብ ዓመት ናብ ዓመት እናወሰኸ ይኸይድ ከም ዘሎን ኣብ ዘይምዓልኡ ይዉዕል ከም ዘሎን ንምፍላጥ ተኻኢሉ።



ብመሰረት እቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ፣ ዓለም ለኸ ምትሕብባር ኢኮኖምን ማሕበር ልምዓትን ብዝገበሮ ሓገዝ፣ ዩናይትድ ስቴትስ፤ እንግሊዝ፤ ከምኡ 'ዉን ኮሚቴ ልምዓት ምትሕግጋዝ ኣባል ሃገራትን 137. 2 ቢልዮን ዶላር ዝተመዝገበ ሓገዝ ልምዓት፣ ሃገርና ኢትዮጵያ ናይ'ቲ ሓገዝ ተቐባሊት ብምዃን ኣብ ቅድሚት ከም ዝተሰርዐት ድሕሪ ምግላፅ፣ እዚ ድማ ብኣቆፃፅራ ኣውሮፓ 2014 ዝተመዝገበ ኮይኑ እዚ ካብ ናይ 2013 ዓ/ም ብ2 ቢልዮን ዶላር ዝዓበየ ኮይኑ ከም ዝተመዝገበ ተገሊፁ።
ብድርቅን ብጥምየትን ካብ ዓለም እትፍለጥ ሃገርና ኢትዮጵያ ፅግዕተኛን ተረዳኢትን ካብ ዝኾና ሃገራት ሓንቲ ኮይና፣ ብጠቕላላ ኣብ 2014 ዓ/ም ካብ ማሕበረሰብ ዓለም ዝረኸበቶ ዝተመዝገበ ሓገዝ ልምዓት 3.6 ቢልዮን ዶላር ዝነበረ እንትኸዉን፣ ምትሕብባር ኢኮኖምን ማሕበር ልምዓትን ኢፋ ብዝገበሮ ሓበሬታ መሰረት ድማ፣ ንድኻታት ሃገራት ዝተዉሃበ ሓገዝ ልምዓት ብዝምልከት ብማእኸላይ ንኢትዮጵያ ዝተፈለጠ ሓገዝ ልምዓት ብምሃብ ባንኪ ዓለም ቀዳማይ ደረጃ እንትሕዝ ዩናይትድ ስቴትስ፤ እንግሊዝ፤ ፈንድ ልምዓት ኣፍሪካን ሕብረት ኣዉሮፓን ብቐደም ስዓብ ክስርዓ ክኢለን እየን።   
ኢትዮጵያ ካብ ማሕበረሰብ ዓለም ዝተቐበለቶ ሓገዝ ዝተመዝገበ ናይ ልምዓት ሓገዝ ንዝተፈላለዩ ስራሕቲ ክዉዕሉ ዝተብሃሉ እንትኾኑ፣ ብቐዋሚ ድማ ንመሰረተ ልምዓት ክዉዕሉ ዝዓለሙ ኮይኖም፣ ቀንዲ ዕላምኦም ድማ ንስቪክ ማሕበራት ኣብ ማሕበራዊ ጉዳያት ዝዉዕሉ ንኣቕርቦት ማይ፤ ንትራንስፖርት፤ ንሕርሻ፤ ንደኒ፤ ንልምዓት ሃፍቲ ዓሳ፤ ንኢንዱሱቱሪን ንክፍሊ መዓድንን ክዉዕል ተባሂሉ ዝወሃብ ገንዘብ እኳ እንተኾነ፣ ኢህወዴ ግን ንመጨፍለቂ ሰብኣዊ መሰልን መዐፈንን የዉዕሎ ምህላዉ ዝተፈላለዩ ወገናትን መንግስታትን ይወቕሱ ምህላዎም እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ኣረዲኡ።    

No comments:

Post a Comment