Wednesday, February 3, 2016

ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ልሙድ ሽሙ ሾላ ገበያ ከባቢ ፍራሽ ተራ ኣብ ዝተብሃለ ብዝተለዓለ ቃፀሎ ብርክት ዝበሉ ሹቛት ከም ዝተቓፀሉ ተፈሊጡ።



እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ ከም ዘመላኽቶ፣ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ልሙድ ሽሙ ሾላ ገበያ ከባቢ ፍራሽ ተራ ኣብ ዝተብሃለ ብዝተልዓለ ቃፀሎ ብርክት ዝበሉ ሹቛት ከም ዝተቓፀሉ ድሕሪ ምግላፅ፣ ብፍላይ እቲ ዝተለዓለ ቃፀሎ ኣብ ከባቢ ፍራሽ ተራ ዝርከቡ ጎሓፋትን ካልኦትን ነቲ ዝተልዓለ ቃፀሎ ከምዘጋደዶ ካብቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ ንምርዳእ ተኻኢሉ።
ወሲኹ እቲ ሓበሬታ ከም ዘርድኦ፣ እቲ ኣብዚ ቅነ ዝተልዓለ ቃፀሎ ኣብ ህይወት ሰብ ዘውረዶ ጉዳኣት ክሳብ ሕዚ ዝተፈለጠ ነገር እኳ እንተዘይሃለወ፣ ብሚልዮናት ዝግመት ንብረት ከም ዝዓነወ  እቲ ሓበሬታ ኣረዲኡ።
ኣብ መወዳእታ ጠንቂ ናይ'ቲ ቃፀሎ ብግልፂ ዝተፈለጠ ነገር ንግዚኡ ዋላ እንተዘይ ሃለወ፣ ኣብ ናይ መንግስታዊ ስራሕ ዝርከቡ ሰበ ስልጣን ቅድም ኢሉ ንሓደ በዓል ሃፍትን ንኻልእ መዓላን ንመሸጣን ኣብ ዝሓስበሉ፣ ከምዚ ዓይነት ቃፀሎታት ብምክያድ ኮነ ኢሎም ነገሩ ንዝደለይዎ ዜጋ እናፀለሙ ንነበርቲ ከፈናቕሉ ዝፀንሑ እንትኾኑ፣ እቲ ሕዚ ዝተለዓለ ቃፀሎ እውን ኢድ ካድረታት ኢህወደግ ከም ዘለዎ  ብዝተፈላለዩ ወገናት ኣብ ምግላፅ ይርከቡ። 

No comments:

Post a Comment