Friday, February 5, 2016

ኣብ ክልል ጋምቤላ ኣብዚ ሕዚ እዋን ብዝተልዓለ ግጭትን ዕግርግርን ምኽንያት ህዝቢ ዝረድኦ ስኢኑ ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ይወፅእ ከም ዘሎ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።



ብመሰረት እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ፣ ክልል ጋምቤላ ኣብዚ ሐዚ እዋን  ሕገ መንግስታዊ ውሕስና ዝተሰኣነሉን ስርዓት ኣልቦነት ዝሰፈነላ ሰፋሕቲ መሬት ጋምቤላ እናተመረፀ ብሰበ ስልጣናት ኢህወደግ ንመሻርኽቶምን ንናይ ባዕዲ ኢንቨስተራት ብምዕዳል፣ ህዝቢ ተቓውሞ ከየልዕል ኣግኣዝን ካልኦት ሓይልታት ፀፅታን ከምኡ'ውን ተወለድቲ ደቡብ ሱዳን ዝኾኑ ኑኤር ብምዕጣቕ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ምቕታልን ምቑሳልን ስጉምቲ ኣብ ምዉሳድ ይርከቡ።
ገዛኢ ስርዓት ኢህወደግ ነዚ እኩይ ተግባር ምፍፃሙ ናይ መሬትን ኣብቲ ክልል ዝካየድ ናይ ኮንትሮባንድ ንግድን ምንቅስቓስን  ከምኡ 'ውን ኣብቲ  ከባቢ  ዝርከቡ ናይ ተፈጥሮ መዓድናት ዝለመዱን ብላዕለዋይነት ካብቲ ክልል ናይ ተፈጥሮ ሃፍቲ ብምውራር፣ ናብ ወፃኢ ሃገራት  እናለኣኹ ጅቦኦም ዘሕብጡ ዝነበሩ ከይጎድሎም ምእንቲ ኮነ ኢሎም ነዚ ሕዚ ተፈጢሩ ዘሎ  ግጭትን ዕግርግርን  ከም ዝኣጎድዎ እቲ ሓበሬታ ኣረዲኡ።
በዚ መሰረት ኣኘዋክ ለቒቕኩም ውፅኡ ብዝብል ንደቡብ  ሱዳናውያን ንናይ ኑኤር ዕጡቓት ሓበሬታ እናቀባበሉ ከምኡ 'ውን ኣብ ከባቢታት ዶብ እቲ  ፅልኢ ከም ዝጋደድን ግጭት ከም ዝለዓልን ብምግባር ኣብ ልዕሊ ናይ ኣኘዋክ መሬት ናይ ደቡብ ሱዳን ስደተኛታት ዝኾኑ ኑኤር ብምስፋር እቲ ግጭትን ዕግርግርን ተጋዲዱ ከም ዘሎ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
ሰበ ስልጣናት ኢህወደግ ነቶም ብህዝቢ ጋምቤላ ዝለዓሉ  ዘለው ሕቶታት ንምድፋን ብኣብዝሓ ናይ ጋምቤላ መሬት ዝተትሓዙ ኢህወደግን ከድረታቱን ብምዃኖም፣  ኣብ ልዕሊ መሬት ሓደጋ ከይወርድን ህዝቢ መሬቱ ከይውረርን ብምስጋእ ብዝብል ኣቐዲሞም ነቲ ህዝቢ ስግኣትታን ግጭትን ብምፍጣር ኣብቲ ከባቢ ልዕሊ ዓቐን ዝዓጠቑ ሓይልታት ኣዋፊሮም ይርከቡ።
ብተወሳኺ ኣብ ምብራቓዊ ኢትዮጵያ ብከባቢ ደቡብ ሱዳን  ብዘሎ ዶብ 'ውን ልዕሊ ዓቐን ዝኾኑ ናይ ኮንትሮባንድ ንብረታት ስለ ዝኣትው፣ እዚ ድማ ናይቲ ክልል ፋይናንስ ቢሮ ስጉምቲ ንምውሳድ ፅንዓት ተገይሩ ተወዲኡ ስለ ዝኾነ፣ ኣብ ተግባር እንተኣትዩ ውፅእቱ ሓደገኛ ስለ ዝኸውን ከይቀደሙና ንቐድሞም ብዝብል ኣብቲ ክልል ሓደጋ እናውረዱ ከም ዘለው ክፍለጥ ተኻኢሉ።                                                        

No comments:

Post a Comment