Thursday, January 26, 2017

ካብ ውድቀት ንምህዳም ዝተመርፀ፣ ፖለቲካዊ ምህዳር ኢህወደግ



ኣብዚ ሰሙን እቲ ብመራኸብቲ ሓፋሽ ኣቢሉ ክጋዋሕ ዝቐነየን ዘሎን ጉዳይ ሰለማዊ ቃልስን ኢህወደግ ምስ ተቓወምቲ ውድባትን ካልኦት ኣብ ኩነታት ሃገር የእትወና እዩ ምስ ዝብሉ ኣካላት በሩ ከፊቱ ናይ ምድርዳር መስርሕ ኣጣጢሑ ከም ዘሎ እናገለፀ ይርከብ።

እዚ ንባህርን ተግባርን ኢህወደግ ዘይፈልጥ የለን እኳ እንተበልና ምናልባት በቲ ባዕሉ ዝወደቦም ፈረ ዘይብሎም ሓደ ሓደ ተቓወምቲ ኢና በሃልቲ ኣብ ሚድያ ቀሪቦም ነቲ ዓፋኒ ተግባሩ ዘንጊዖም ኢህወደግ በሪ ዴሞክራስያዊ ኣሰራርሕኡ ኣስተኻኺሉ ትርጉም ዘሎዎ ለውጢ ከም ዘምፅእ ክገልፁ ምግባር ግን ክንቀሐሎም ይግባእ።

እቶም ካድረታት ናይቲ ስርዓት እውን እንተኾነ ኢህወደግ ምስ ተቓወምቲ ፖሎቲካዊ ፓርትታት ዝገብሮ ምንቅስቓስ ኣብ ዝሰማምዕሉ ሓቢሩ ክሰርሕ ኣብ ዝፈላለይሉ ድማ ህዝቢ ዝከታተሎ መድረኻት ክትዕ ኣዳልዩ ከም ዘሎን ከምኡ ድማ ተቓወምቲ ፖሎቲካ ፓርትታት ክፍርሙዎ ዝፀንሑ ናይ ስነ ምግባር ደንቢ ከም ዝተረፈን ኑዑዑ ዝከታተል ቤት ፅሕፈት ድማ ከም ዝተጣየሸ ገሊፆም።
እዚ በቲ ሓደ ገፁ እቲ ክኸተሎ ዝፀንሐ ቀያድን ገባሪ ሓዳጊ ኣሰራርሕኡን ተግባራቱን ስሕተቱ ይነግር እኳ እንተሎ ሕዚ እውን ካብ ተግባራት ፀረ ዴሞክራስን ፀረ ህዝብን ተኣሪሙ ንቕድሚት ከሰጉም ዝኽእል ጥጡሕ ባይታን ዝተፈላለዩ ኣረኣእያን ሓሳባትን ብማዕረ ዝንሸራሸርሉ ሃዋህው ክፈጥር ይኽእል እዩ ኢልካ ምሕሳብ የዋህነት እዩ።

እቲ ምንታይ ኢህወደግ ኣብ መዋጥር ኣብ ዝኣተወሉ እዋን ዝፈጥሮም ኣብ ባይታ ዘይትግበሩ መሕብእታት ናብ ስልጣን ካብ ዝድይብ ኣትሒዙ ክሳብ ሎሚ ክብሎም ዝፀንሐን ዘሎን ጥዑማት ሓሳባት ኣብ ምንታይ ውዓሉ ኢልካ ምዝኽኻር ከድልየና እዩ።
ብስሩ ኸ ኢህወደግ ምስ ዝኾነ ኣብ ኩነታት ሃገሩን ህዝቡን የእትወኒ እዩ ምስ ዝብል ኣካል ተደራዲሩ ክሰርሕ እንተኾይኑ፣ ኣብ ኢህወደግ ዝመርሖ መንግስታዊ ምሕደራን ብልሹቱን ቡኡ ልክዕ ዝስፋሕፋሕ ዘሎ ስእነት ፍትሕን ወገናውነትን ስእነት ዴሞክራስን ሰናይ ምምሕዳርን ኣመልኪቶም ስለ ዝፀሓፉን ሰለ ዝተቓዎሙን ዶ ኣይኮነን ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ክዳጎኑ ዝውዕሉ ዘሎው?

ካብዚ ብዝዘለለ ድማ ዜጋታት ንዓመታት ኣብ ልዕሊኦም ክፍፀም ዝፀንሐን ዘሎን ግፍዕታትን ተግባራት ፀረ ዴሞክራሲ ብመንገዲ ሰለማዊ ቃልሲ መፍትሒ ስኢኖም ዓቕሎም ክሳብ ዝፅንቀቕ ተፀሚሞም ዶ ኣይኮነን ዴሞክራስያዊ መሰሎም ንኽሕሎ ናብ ዓመፅ ኣምሪሖም ዘሎው?

እዝን ካልእን ዝወለዶ ድማ ኣብዚ ሕዚ እዋን መላእ ህዝቢ ኢትዮጵያ መንገዲ ሰለማዊ ቃልሲ ኣብ ኢህወደግ ዝመርሖ መንግስቲ ባይታ ከም ዘይብሉ ኣረጋጊፁ 'ሎ። ምኽንያቱ እቶም ንጡፍ ተሳትፎን ህዝባዊ ተቐባልነትን ዝነበሮም ኣመራርሓን ኣባላትን ተቓወምቲ ፖሎቲካውያን ውድባት ብዝተፈላለየ መንገዲ ክብተኑ። ክእሰሩ። ክዳኸሙ ቡኡ ልክዕ ድማ ህዝባዊ ደገፍ ክረኽብሉ ኣብዘይኽእሉ ደረጃ በፂሖም ይርእን ይዕዘብን ስለ ዘሎ።

እሞ ኸ ደኣ ኢህወደግ ምሰ ኣዮኖት ብቕዓት ዘለዎም ናይ ፖሎቲካ ተቓወምቲ ተኻቲዑ እዩ ደኣ፣ ሃገርን ህዝብን ከድሕን ዝኽእል ሓሳብ ፀሚቑ ህዝቢ ምስ ዝሕሾ ኣካል ክድግፍን ክቃወምን ዝኽእል?

ኣይኮነን  ከምቶም ኣብ ገለ ገለ እዋን ኣብ ድሮ መረፃ ብሹም ተቓወምቲ ዘለኩም ዕላማን ፖሊስን ግለፁ ተባሂሎም ኣብ መድረኽ ቀሪቦም ብሰንኪ ዋሕዲ ግዜ ዝሓዙዎ መማረፂ ሓሳብን ፖሊሲን ንህዝቢ ከይፍለጡ ይኣኽለካ ተባሂሎም ክምንጠሉ ምግባርን ከይፈተዉ ድማ ንመንግስቲ ክፃረፉን ካብዚ ሓሊፉ   ናይቲ ገዛኢ ፓርቲ ዝተወከሉ ካድረታት በቲ ዝተመደበሎም እኹል ግዜ ዝደለይዎ ዕላማ ድሕሪ ምስራፅ፣ ነቶም ተቓወምቲ ከናሽውን መማረፂ ፖሊሲ ዘይብሎም እናተብሃሉ ህዝቢ ምስቲ ስርዓት ንምፅጋዕ ዝግበር ዝነበረ ኣሰራርሓ ንምድጋም እዩ ተደልዩ?
ነዚ ኩሉ ደላዪ ፍትሕን ዴሞክራስን ለውጥን ዝኾነ ኣካል ክሓስበሉ ሓሲቡ ድማ መፍትሕታት ክገብረሉ ይግባእ፣ እንተዘይ ኮይኑ መራሕቲ ኢህወደግ ዴሞክራስያዊ መሰለይ ተጣሒሱ ኢሉ ንመንግስቲ ዝተቓወመ ዜጋ ብሹም ህፁፅ ናይ ግዜ ኣዋጅ ደንጊጉ ኣብ ልዕሊ ወገናትና ከቢድ ሰብኣውን ንዋታውን ክሳራታት የውርድ ኣብ ዘለሉ እዋን ዴሞክራሲ ኣየስፍንን።

No comments:

Post a Comment