Wednesday, February 10, 2016

ኣብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ኣብ ዝተሳለጠ ናይ መምህራን ኣኼባ፣ ፅሬት ትምህርቲ ኣብ ትግራይ ብዘይምህላው ተምሃሮ ክፍልታት ጥራሕ ይቖፅሩ ኣለው ዝብል ገምጋም ከም ዘካየዱ ምንጭታትና ገሊፆም።

ኣብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ዝነብር ህዝቢ ብግዕዚና ን117 ሰራሕተኛታት መንግስቲ ብሕጊ ይተሓተቱልና ብምባሉ ክሲ ከም ዝቐረበሎም ምንጭታትና ሓቢሮም።

ኣብ ዝቕፅል 120 መዓልቲታት ሓገዝ ዓለም ለኸ እንተዘይ በፂሕሎም 10.2 ሚልዮን ኢትዮጵያውያን ዜጋታት ንሓደጋ ከም ዝቃልዑ ትካል ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ።

ኣብ ክልል ጋምቤላ ዝተወለዐ ዓሌታዊ ግጭት ፍታሕ ንምምፃእ ዝሰርሕ ኣካል መንግስቲ ስለ ዘየለ፣ ክሳብ ሕዚ እቲ ግጭት ይቕፅል ብምህላዉ ብዙሓት ዜጋታት ግዳይ ሞትን ሞቑሰልትን ከም ዝኾኑ ተገሊፁ።

ኣብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ክካየድ ዝቐነየ ገምጋም ኣብ ልዕሊ ናይ ፍትሒ ኣካላት ሰፊሕ ነቐፌታ ስለ ዝቐረበ ናይ ይምሰል ምእሳርን ምብራርን ስምጉቲ ከም ዝተወሰደ ተገሊፁ።

በትግራይ ክልል ምእራባዊ ዞን የሚኖር ህዝብ በሙስና ምክንያት ለ117 የመንግሰት ሰራተኞች በህግ ይጠየቁ በሚል ክስ እንደቀረበባቸው ምንጮቻችን ከአካባቢው ገለጹ።

በትግራይ ክልል ምእራባዊ ዞን በተካሄደው የመምህራን ስብስባ ላይ። በትግራይ ውስጥ የትምህርት ጥራት ባለመኖሩ ምክንያት ተማሪዎች ክፍል መቁጠር ብቻ ሆኖዋል የሚል ግምገማ ማካሄዳቸው ተገለፀ።

በጋምቤላ ክልል የተነሳውን የጎሳ ግጭት መፍትሄ ለማምጣት የሚሰራ የመንግስት አካል ባለመኖሩ የተነሳ፣ እስከ አሁን ድረስ ግጭቱ በመቀጠል ላይ በመሆኑ ቡዙ ዜጎች የሞትና የመቁሰል አደጋ እንዳጋጠማቸው ተገለፀ።

በሚቀጥለው 120 ቀናት ውስጥ አለም አቀፍ የእርዳታ ሰጪ ካልደረሱላቸው 10.2 ሚሊዮን ኢትዮጵያዊያን ዜጎዎች በራሃብ ለአደጋ እንደሚጋለጡ የተባበሩት ድርጅት አሳወቀ።

በትግራይ ክልል ምእራብ ዞን ሲካሄድ የሰነበተው ግምገማ በፍትህ አካላት ላይ ሰፊ ሂስ ሰለቀረበባቸው የይምሰል የማሰርና የመባረር እርምጃ እንደተወሰደባቸወ ተገለፀ።