ንሕና ብብሄርና ተወድብና ምቅላስና ዕድመ ስልጣን ስርዓት ወያነ
ንምሕፃር ስልታዊ ኣካይዳ’ምበር። ካብ ንምስረት ኣትሒዝና ንፁር ሃገርዊ ራኢ ዘለዎ ዕላማን ፕሮግራምን ሓንፂፅና፤ ሓንቲ
ብሓድነትን ማዕርነትን ህዝባ ዝሓየለት ኢትዮጵያ ንምህናፅ ዝተበገስና ብምዃና። መስመር ቃልስና ንዝኾነ ሰዓቢና ዘሻሚ ኣይኮነን
ምስ በለ። ዉድብና ዴምህት ብተወለድቲ ትግራይ ዋላ እኳ እተተመስረተ። ኣብ ዉሽጡ ዝርከብ ሓይሊ ሰብ ካብ መላእ ብሄር ብሄረሰባት ሃገርና ዝተሰለፈ ሕብረ ብሄራዊ ምዃኑ ኣረዲኡ፣
ክፍለጥ ዘለዎ ብኣፃብዕቲ ዝቑፀሩ ተወለድቲ ትግራይ ዝኾኑ ጉጅለ ኣብ ስልጣን ስለ ዘለዉ መላእ ህዝቢ ትግራይ ተረባሒ
ጌርካ ምዉሳድ መሰረታዊ ጌጋ ኣለዎ ድሕሪ ምባሉ። እዚ ድማ ዕድመ ስልጣን ስርዓት ወያነ ካብ ምንዋሕ ሓሊፉ። ልክዕ ከምቶም
ካላኦት ብሄራት ተጨቊኑ ከርፋሕ ናብራ ሂወት እናመርሐ ዝግፋዕን ዝብደልን ዘሎ ህዝቢ ትግራይ። መራሕቲ ስርዓት ወያነ ብዝነዝሕዎ
መርዚ ካብ ኣሕዋቱ ብሄራት ኢትዮጵያ ክንፀል ስለ ዘይግብኦ። ነዚ ግጉይ ርድኢት ንምእራም ካብ ነካይዶ ዘለና ቃልሲ ሓደ እዩ
ክብል ገሊፁ፣
በቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ስርዓት ተጠቀምቲ እቶም ኣብ ስልጣን ዘለዉ ተወለድቲ ትግራይ ጥራሕ ዘይኮኑስ። ኩሎም ኣብቲ
ስርዓት ኣሚኖም ኣብ ስልጣን ዘለዉ ተወለድቲ ካልኦት ክልላትን ተለጠፍቲ ጉጅለን ዝሓቖፈ ምዃኑ ክሳሓት
ዘይግብኦ ሓቂ ኮይኑ። ካብ’ዚ ወፃኢ ነቲ ምስ ከምኡ ዝበሉ ውፃዓት ኣሕዋቱ ኮይኑ ን17 ዓመት ደምዩ፤ ሰንኪሉን ከብዲ መስዋእቲ
ከፊሉን ንህዝቢ ኢትዮጵያ ካብ ፋሽሽቲ ስርዓት ደርጊ ዘናገፈ ህዝቢ ትግራይ ከይተረብሐ ተረባሒ እናበልካ ምንፃል ትኽክል ከም
ዘይኮነ ወሲኹ ኣረዲኡ፣ ኣብ መወዳእታ ኣቦ ወንበር
ዴሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ህዝቢ ትግራይ ተጋዳላይ ሞላ ኣስገዶም። ብረታዊ ቃልሲ ማለት ኣብ ዉስን መዓልቲታት ተብተብ ኢልካ ዓወት
ትጭብጠሉ ብዘይምዃኑ። ዉድብ ዴምህት እዉን ኣብ 12 ዓመት ዕድመ ቃልሱ ዕጥቃዊ ቃልሲ ዝሓቶ ዋጋ ኩሉ እናኸፈለ ብርክት ዝበሉ
መሰናኽላት ተፈቲኑ ብምስጋር ኣብ ዘተኣማንም ደረጃ ከም ዝርከብ ።
ብኣንፃሩ ከኣ ስርዓት ወያነ ዉሽጡ ቦኽቢኹ ነዃሉ ክዉትፈሉ ኣብ ዘይኽእለሉ ደረጃ በፂሑ ምስ ህዝቢ ዝነበሮ ርክብ ተበታቲኹ ኣብ ቀልቀል ፀድፊ ኣንጠልጢሉ ይርከብ
ድሕሪ ምባል። ኣብ’ዚ እዋን እዚ ብረታዊ ቃልሲ ኣብ ምክያድ ንርከብ ዉድባት ከየተዘናጋዕና ዝጀምርናዮ ጥምረት ዝያዳ
ኣጠናኽርና። ካልኦት ኣብ’ዚ ጥምረት ዘይተሓቖፉ ብረታዊ ቃልሲ ዝሓቶ ዋጋ ኣብ ባይታ ንምኽፋል ድልዋት ዝኾኑ ዉድባት። ከይወዓሉ
ከይሓደሩ ክፅምበሩን ኢደይ ኢድካ ኢልና ንስርዓት ወያነ እንጉሕፈሉ እዋን ሕዚ እዩ ክብል
ኣስሚርሉ፣