Sunday, November 25, 2012

ኣብ ዞባ ምብራቕ ትግራይ ወረዳ ኢሮብ ዝነብር ህዝብና ብካድረታት ስርዓት ወያነ ይበሳበስ ከም ዘሎ ተሓቢሩ፣




ኣብ ወረዳ ኢሮብ ዝርከቡ ካድረታት ወያነ ኢህወዴግ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ብዘዉርድዎ ዘለዉ በደልን ግፍዒን ሕብረትሰብ እቲ ከባቢ እናረሓቖም ዝኸይድ ዘሎ ኮይኑ። ምንፃሎም ዘሰበዶም ዋና ኣመሓደሪ እቲ ወረዳን ምክትሉ መምህር ምስግናን ንዝህቢ ኢሮብ ምስ ዴ.ም.ህ.ት ርክብ ኣለኩም ብምባል የጓጥጥሎምን የፈራርሕዎምን ከም ዘለዉ ተፈሊጡ፣
እዞም ብኣፎም ንዝህቢ ነመሓድር ኣለና እናበሉ ብተግባር ግና ኣብ ክንዲ ንህዝቢ ምግልጋል። ቀዳምነት ህልዉና እቲ ስርዓትን ዉልቃዊ ረብሓታቶም ስለ ዘገድሶም። ኣብ ጣብያ እንዳልጌዳ ቁሸታት ዓዉዳ፤ መኸታ፤ እንጉራዕለ ከምኡ እዉን ኣብ ጣብያ ወርዓትለ ቁሸት ገረሳን ካልኦትን ንዝርከብ ህዝብና ዝተፈላለዩ ምስምሳት ብምጥቃም የጋፍዕዎ ከም ዘለዉ ንምፍላጥ ተኻኢሉ፣
ብተወሳኺ እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ ከም ዘረድኦ። ኣቶ ብርሃነ በርሀ፤ ዑቕባይ ስብሓት፤ መብርሂት ገብራይን ዑመር ኣስፋሃን ዝተበሃሉ ዝርከብዎም ወገናት ምስ ዴምህት ትራኸቡ ኢኹም ብዝብል ከም ዘፈራርሕዎምን ከም ዘጠንቅቕዎምን ኣፍሊጡ፣