Sunday, November 25, 2012

ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ሃገርና ቀረብ ዕዳጋ ብዘይምህላዉ ህዝቢ ብዘይተመጣጠነ ክብሪ ዋጋ ኣብ ከቢድ ናይ መነባብሮ ፀገም ወዲቑ ከም ዘሎ ተሓቢሩ፣




ስርዓት ወያነ ኣብ ኩሉ ቁጠባዊ ትካላት ኢዱ ብምእታዉ ኣብ ቀረብ ዕዳጋ ዋጋታት ቅልዉላዉ ክጋደድ ብምግባሩ ዝተለዓለ። ኣብ ከተማ መቐለን ዓዲ ግራትን ዘይቲ ብልዒ ኣብ ብቀበሌ ካብ 25 ክሳብ 27 ብር ንሓደ ሊትሮ ክሽየጥ እኳ እንተተበሃለ። ብተግባር ግና ፀግዒ እቲ ስርዓትን ባዕሎም እቶም ካድረታት ወያነን ነቲ ብሽም ህዝቢ ዝመፀ ተኻፊሎም ብምዉፃእ ኣብ ደገ ካብ 60 ክሳብ 70 ብር  ንሓደ ሊትሮ ዘርጊሖም ይሸጡ ከም ዘለዉ ተፈሊጡ፣
እዚ ከም’ዚ ኢሉ እንከሎ ኣብ ከተማ ሑመራን ኣብ መላእ ትግራይን ብሓፈሻ ድማ ኣብ መላእ ሃገርናንን ከምዝኾነ ብተደጋጋሚ ክንገልፅ ምፅናሕና ይዝከር፣