እቲ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዘጋጠመ ባርዕ ሓዊ ምኽንቱ እኳ
እንተዘይተፈልጠ። ንልዕሊ ሓሙሽተ ሰዓት ምፅንሑ ግና መንግስቲ ስርዓት ወያነ ኢህወዴግ ኮነ ኢሉ ዝገበሮ ክኸውን ኣለዎ ዝብል።
ብነበርቲ እታ ከተማ ብሰፊሑ ይዝርበሉ ከም ዘሎ ዝተርኸበ ሓበሬታ ኣመልኪቱ፣
ብመሰረት እቲ ሓበሬታ በሰንኪ እቲ ባርዕ ሓዊ ልዕሊ
25 ናይ ቀበሌ ገዛውቲ ምስ ሙሉእ ንብረቱ ከም ዝተቓፀለ፤ ኣስታት 10 መካይን እንትቃፀላ፤ ሓደ ናይ ተቓዋሚ ውድብ
መኢኣድ ኣባል ዝርከቦም 3ተ ዜጋታት ሂወቶም
ከም ዝሰኣኑ ንምፍላጥ ተኻኢሉ፣
እዚ ከምዚ ኢሉ
እንከሎ ድሕሪ እቲ ባርዕ ኣግልግሎት ኤሌክትሪክን መስመር ስልኪን ከም ዝተቛረፀ ካብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝተረኸበ ሓበሬታ
ኣረዲኡ፣