እዚ ኣብ መላእ ሃገርና ኢትዮጵያ ዝጎሃሃር ዘሎ
ተቓዉሞ ተማሃሮ ላዕለዎት ትካላት። ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣኽሱም እዉን ብምቕፃል ብ22 ጥሪ 2005ዓ.ም ብሓለፍቲ እቲ ዩኒቨርሲቲ
ኣብ ዝተገበረ ኣኼባ ፀገማትኩም ዘቕርብልኩም ተወከልቲኹም ምረፁ ብምባል ብዘቕረብዎ ሓሳብ መሰረት እቶም ተማሃሮ ይውክሉና እዮም
ንዝበልዎም ዓሰርተ ተማሃሮ ድሕሪ ምምራፆም ከቢድ ጎንፂ ከም ዝተፈጠረ እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ ኣረዲኡ፣
ብመሰረት እቲ ሓበሬታ ነቲ ብተማሃሮ ዝተለዓለ ምግቢ ዝመንቀሊኡ ብዙሓት
ሕቶታት ዘልዓለ ተቓዉሞ ንምዝሕሓል ብዲን ተማሃሮን ፕሬዝዳንትን ኣኽሱም ዩኒቨርሲቲ ። ንተማሃሮ ኣብ ዘካየድዎ ኣኼባ ሕቶኹም
ዘቕርቡ 10 ተምሃሮ ምረፁ ብምባል። ነቶም ዝተመረፁ 10 ተማሃሮ ቀንዲ መለዓዓልቲ እዮም ብምባል ክሳብ ሎሚ ናበይ ወሲዶም ከም
ዝሰወርዎም ከም ዘይፍለጥ። እቲ ናይ መሰል ሕቶ ናብ ጎንፂ ኣምሪሑ ፖለቲካዊ መልክዕ ሒዙ ከም ዘሎ ካብ ቀፅሪ ኣኽሱም
ዩኒቨርሲቲ ዝበፅሐና ሓበሬታ ኣፍሊጡ፣
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ በቶም ተምሃሮ ዝቐረቡ
ነጥብታት።
1.
ቀረብ መግቢ ይመሓየሸልና!
2.
ትምህርቲ ብኣግባቡ ይወሃበና!
3.
ብኣድልዎ ነጥቢ ምሃብ ከም ዘሎ ብፍላይ ንትደልይወን ደቂ ኣንስትዮ ዘይግበአን ነጥቢ ምሃብ ደው ይበል!
4.
ኣብ መንጎ ብሄር ብሄረሰባት ኣፈላላይ ትፈጥሩ ኣለኹም!
ዝብሉ ዓበይቲ ነጥብታት ብምልዓል። ብ25 ጥሪ
2005 ዓ/ም ቀዳም መዓልቲ ካብ ቀፅሪ እቲ ዩኒቨርሲቲ ኣስታት
3000 ተማሃሮ ብምዉፃእ ነቲ ዘሎ ፀገም ህዝቢ ክፈልጦ ተቓዉሞ ምክያድ ኣብ ዝጀመርሉ። ፌዴራል ፖሊስ ብመኻይን ተፃዒኖም ብምኻድ
ኣብ ልዕሊ እቶም ተቓውሞ ዘስምዑ ዝነበሩ ተማሃሮ ሓይልን መንብዒ ጋዝን ብምጥቃም ከም ዝበተንዎ ተፈሊጡ፣
እዚ
ከምዚ ኢሉ እንከሎ ድሕሪ እቲ ተቓዉሞ ቁፅሮም ብንፁር ዘይተፈለጠ ብርክት ዝበሉ ተምሃሮ ተኣሲሮም ከም ዘለዉ። በቲ ፍፃመ ጉድኣት
ይውረድ ኣይውረድ ዝተፈለጠ ነገር ከምዘየለ እቲ ዝበፀሐና ሓበሬታ
የመልክት፣