ብመሰረት እቲ ሓበሬታ። ኣብ መላእ ትግራይ ናይ
ዝርከብ ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርቲ ስፖርታዊ ዉድድር ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ዝቕፅል እዋን ክካይድ ብምዃኑ። ነዚ ስዒቡ ኣብ
ከተማ ሽረ-እንዳስላሴ ናይ ዝርከባ ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርቲ ወኪሎም ዝሳተፉ ተወዳደርቲ ንምምልማል ዝኽተለዎ ዘለዉ
ኣካይዳ ሕጋዊ መስርሕ ዝተኸተለ ዘይኮነስ። ስፖርታዊ ስነ-ምግባርን ኣሰራርሓን ካብ ዝጠልቦ ወፃኢ። ነቲ ዉድድር ዘይዉክሉ ዓቕሚ
ዘይብሎም ሰባት ብግበረለይ ክገብረልካን ዘመድ ኣዝማድን ምልመላ ይካየድ ከም ዘሎ ካብ’ታ ከተማ ዝበፅሓና ሓበሬታ ኣፍሊጡ፣
ከም ዉፅኢቱ ከዓ በቶም ብግዕዝይና ዝጥልቀዩ
መልመልቲ ካድረታት እቲ ስርዓት ዝተፈፀመ ዘይፍትሓዊ ኣመላምላ ብ25 ጥሪ 2005 ዓ/ም ተዓዘብቲ ኣብ ልዕልኦም ተቓዉሞ
ብምልዓሎም። እቶም መልመልቲ ካድረታት ህይወቶም ንምድሓን ናብ ሓደ እንዳ ሻሂ ኣትዮም ከም ዝተዓፀዉ ካብ ከተማ
ሽረ-እንዳስላሴ ዝበፅሓና ሓበሬታ የረድእ፣