Friday, February 8, 2013

ኣብ ኣኽሱም ዩኒቨርሲቲ ብ25 ጥሪ 2005 ዓ/ም ብተማሃሮ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ሓደ ተማሃራይ ብጥይት ከም ዝቆሰለ ተሓቢሩ፣




እቲ ኣብ መጀመርታ ወርሒ ጥሪ ዝጀመረ ናይ ተማሃሮ ተቓውሞ ብዝኸፈአ መልክዑ እናቐፀለ መፂኡ እቶም ተማሃሮ ኣብ ልዕሊኦምን ኣብ ሃገርን ዝፍፀሙ ዘለው ግፍዕታት ክፃወርዎ ብዘይ ምኽኣሎም ብ25 ጥሪ 2005 ዓ/ም ናብ ኣደባባይ ብምውፃእ ተቓውምኦም ኣብ ዘስምዕሉ ዝነበሩ ፌደራል ፖሊስ ጠያይት ከም ዝተኮሱን ሓደ ተማሃራይ ከም ዝወቕዑ  ካብ ከተማ ኣክሱም ዝተረኸበ ሓበሬታ ኣመልኪቱ፣

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ 10 ካብ ዝተፋላለዩ ብሄረሰባት ዝመፁ ተማሃሮ ተኣሲሮም ከም ዘለውን 10ተ ተወለድቲ ብሄረሰብ ኦሮሞ ካብ’ቲ ዩንቨርሲቲ ከም ዝተባረሩ ንምፍላጥ ተኻኢሉ፣