እዞም ተቓወምቲ ዉድባት ነዚ ፃዉዒት ዘቕረቡ “ኢህወዴግ ብዛዕባ ከባብያዊ መረፃ ብተቓወምቲ ዉድባት
ዝተለዓሉ ትኽክለኛ ሕቶታት ኣመልኪቱ ዘዉፅኦ መግልፂ ነፃሊ መርገፂኡ ዘረጋገፀሉ እዩ ምስ በሉ። ብፍላይ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት
ኢህወዴግ ዝኾነ ኣቶ ሬድዋን ሑሴን “ዉድባት ኣብ መረፃ ተሳተፉ ኣይተሳተፉ ዝዉስኽዎ ይኹን ዝቕንስዎ ነገር የለን” ክብል
ሓላፍነት ዝጎደሎ ዘረባ ምዝራቡ። መራሕቲ ኢህወዴግ ነቲ ክካየድ ዝሓስብዎ ዘለዉ መረፃ ንይምሰል ምዃኑ ቃል ብቓሉ ንሓቀኛ
ኣካይዳ እቲ ስርዓት ስለ ዘግሃደ ህዝቢ ኣብቲ ድራማዊ መረፃ መሳርሒ ካብ ምዃን ኣቐዲሙ ኢዱ ንኽስሕብ ምዒዶም፣
ኣስዕቦም እቶም 39 ዉድባት ኣብ መግለፂኦም። ኢህወዴግ ኣብ ሃገራዉን ህዝባዉን ጉዳያት ንዝለዓሉ
ሕቶታት ኣብ ምፍትሑ ክሳተፉ ዝግብኦም ኣካላት ከይተሳተፈሉ፤ ብዙሕ ከይተሓሰበሉን ከይተዘተየሉን ብዉልቀ ሰብ ስልጣን ሙልእ
ብሙልእ ክዉሰን ዝገብር ዘሎ። ኣብዛ ሃገር ብጀካ ኣነ ምሳይ ዝዳረግ መን ኣሎ ካብ ዝብል ትዕቢት ዝወለዶ ስምዒታዊ ኣካይዳ
ዘይተላቐቐን ሓላፍነት ዝጎደሎ ብድፉን ፅልኢት ዝምራሕ ዘሎ ምዃኑ ዘረድእ እዩ ክብሉ ገሊፆም፣
ኣተሓሕዞም እዚ ስርዓት ወያነ-ኢህወዴግ ዝኽተሎ ዘሎ ኣካይዳ ንዝኾነ ዜጋ ዝጠቅም ኣይኮነን ጥራሕ
ዘይኮነስ። ንባዕሉ ነቲ ስርዓት እዉን ብዙሕ ከጓዕዞ ከም ዘይኽእል ብምግላፅ። እዚ ስርዓተ ሕጊ ዝጠሓሰ ኣካይዳ ድማ ብህዝባዊ
ማዕበል ክብተኽ ከም ዝኽእል ክፍለጥ ኣለዎ ብምባል ኣጠንቂቖም፣
ከም ዝፍለጥ እዞም ዉድባት ቅድሚ
ምዝገባ ከባብያዊ መረፃ ምጅማሩ ክማልኡ ኣለዎም ካብ ዝበለዎም ሕቶታት። መንግስትን ኢህወዴግን ይነፃፀሉ፤ ኣብ መራኸብቲ ሓፋሽ
ፍትሓዊ ኣጠቓቕማ ይሃሉ፤ መሰል ነፃነት ምንቅስቓስ ፖለቲካዊ ዉድባት ይከበር፤ ቦርድ መረፃ ካብ ገዛኢ ዉድብ ተነፂሉ ብነፃ
ይቀመጥ፤ ላዕለዋይነት ሕጊ ይረጋገፅ፤ ብገዛኢ ዉድብ ንምዕፋን ዝወፁ ኣዋጃትን ሕግታትን ይሰረዙ፤ ብሓፈሻ ዜጋታት ሰብኣዉን
ዴሞክራስያዉን መሰላቶም ተኸቢሩ። ህዝቢ ናይ ስልጣን በዓል ዋና ምዃኑ ንምርግጋፅ ሜዳ መረፃ ንኽስተኻኸል ብንፁር ኣቕሪቦም በቲ
ስርዓት ተቐባልነት ከም ዘይረኸቡ ዝፍለጥ እዩ፣