Friday, February 8, 2013

ኣብ ከተማ ዓድዋ ዝርከቡ ማሕበረ ሰብ ንግዲ ብሰንኪ ሓለፍትን ካድረታትን እቲ ከተማ ኣብ መንጎኦም ኣፋላላይ ተፈጢሩ ከም ዘሎ ካብታ ከተማ ዝተረኸበ ሓበሬታ ኣመልኪቱ፣



ብመሰረት እቲ ሓበሬታ ቅድም ክብል ዝተወሰኖም ግብሪ ንምክፋል ንሓለፍቲ ቤት ፅሕፈት ንግዲ ግቦ ዝኸፈለ ካብቲ ዝተወሰኖ ክቕነሰሉ እንከሎ እቲ ግቦ ክኸፍል ዘይካኣለ ካኣ እቲ ዝተወሰኖ ግብሪ ብኣስገዳድ ክኸፍል ይግደድ ከም ዘሎ ተሓቢሩ፣

ብተወሳኺ እዚ ኣብ መላእ ሃገርና ተዘርጊሑ ዘሎ ነጋዶ ምስ ኣታዊኦም ዘይማጣጠን ግብሪ ክኸፍሉ ምግዳድ ኣድልዎ ስለ ዘለዎ ኣብ መንጎ ነጋዶ “ውን ኣብ ሕድ ሕዶም ኣፋላላይ ይፍጠር ከም ዘሎ ይፍለጥ፣