Tuesday, February 5, 2013

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ጎንደር ዝርከቡ ተኸተልቲ እስልምና ሃይማኖት ተማሃሮ ተቓውሞ ሰልፊ ከም ዝገበሩ ተገሊፁ፣




ናብ ከባቢ ሓደ ሽሕ ዝፅግዑ ናይ’ቲ ዩኒቨርስቲ ተማሃሮ ኣብ ዝሓለፈ መዓልትታት ንዘካየድዎ ሰላማዊ ሰልፊ ሲዒቡ። ብሓይልታት ድሕንነት ኢና በሃልቲ ተዓፊኖም ዝተወሰዱ ክልተ መማህርቶም ዝነበሩ ተማሃሮ ኣበይ ከም ዘለው እቲ ዩኒቨርሲቲ ከፍልጦም ሓቲቶም፣
  ኣብ’ቲ ሰላማዊ ሰልፊ ዝተሳተፉ ተማሃሮ ከም ዝገለፅዎ። ምምሕዳራት እቲ ዩኒቨርሲቲ ካብ’ቶም ተማሃሮ ንዝቐረበሎም ሕቶ። “እዞም ተማሃሮ ብሓይልታት ድሕንነት ተደልዮም ስለ ዝተወሰዱ ንሕና ምንም ክንገብር ኣይንኽእልን፣ ንቐፃሊ’ውን ትእዛዝ ቤት-ፍርዲ ሒዞም እንተመፅዮም ኣሕሊፍና ክንህብ ኢና” ዝብል መልሲ ከም ዝሃብዎምን። ኣብ ልዕሊ እስላም ተማሃሮ ዝውሰድ ስጉምቲ እናሓየለ ብምምፅኡ ትምህርቶም ተረጋጊኦም ክማሃሩ ከም ዘይከኣሉን ኣብሪሆም፣
  ብሓይልታት ድሕንነት ዝተወሰዱ  ሰይድን ዑመርን ዝተባሃሉ ተማሃሮ ኣብ’ዚ ዓመት ክምረቑ ተባሂሎም ዝነበሩ እንትኾኑ።  ቅድሚ ሕዚ ‘ውን ኣብ ልዕሊ እስላም ተማሃሮ ዩኒቨርሲቲታት ዝበፅሕ በደል እናኸፍአ ምምፅኡ ምግላፅና ይፍለጥ፣
 ብተመሳሳሊ ዜና ኣብ ሃረር ኢማን መስግድ ዋርድያ ዝነበሩ  ዉልቀ ሰብ  ብዘስካሕክሕ ኩነታት ከም ዝተቐተሉ ተፈሊጡ፣
   እዞም ውልቀ ሰብ ቅድሚ ምቕታሎም ኣብ’ቲ ከባቢ  መብራህቲ ጠፊኡ ዝነበረ እንትኾን። እቲ ኩነታት ድሕሪ ምዝሓሉ መብራህቲ ተመሊሱ ከም ዝመፀን። በዚ ድማ እዞም ውልቀ ሰብ መን ከም ዝቐተሎም  ዘየተፈለጠ እንትኾን። መንግስቲ‘ውን ኣብ ዙርያ እቲ ጉዳይ ዝገለፆ ነገር ከም ዘየለ ንምፍላጥ ተኻኢሉ፣