ብመሰረት እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ ካብ 24 ጥሪ 2005 ዓ/ም ጀሚሩ ንህዝቢ ሎጊያን
ሳመራን ፌደራል ፖሊስን ናይቲ ክልል ኣባላት ፖሊስን ዕጡቛትን ገዛ ገዛ እናዘሩ ነቲ ህዝቢ ብዘይ ድሌቱ ናይ ምርጫ ካርድ ዉሰድ
እኳ እንተበልዎ። ህዝቢ እቲ ከባቢ ፍቃደኛ ዘይምዃኑ ከም ዘተሓሳሰቦም። ካድረታትን ኣባላትን እቲ ስርዓት ስግኣቶም ይገልፁ ከም ዘለዉ ተፈሊጡ፣
ብተወሳኺ ኣብ ክልል ዓፋር ሓላፊ ፀጥታን ፍትሕን ኣቶ ስዩም ኣወል ዝተብሃለ ካድረ
ኣብ ኣፍዴራ ጨው ብምዉፃእ ዝመሓደሩ። ልዕሊ 250 ሽሕ ዜጋታት ንግዲ
ፍቓዶም እናመንጠለ ምስኡ ብጥቕምን ብዝምድናን ንዝተኣሳሰሩ ወገናት ብምዕዳል ነቶም ንዓመታት ኣብቲ ከባቢ ዝሰርሑ ዝነበሩ የባርሮም
ስለ ዘሎ ኣብቲ ከባቢ ስግኣት ተፈጢሩ ከም ዘሎ ንምፍላጥ ተኻኢሉ፣
ብተመሳሳሊ ኣብ ዞባ ማእኸል ትግራይ ከተማ ኣኽሱም ነበርቲ ቀበሌ 05/ ጣብያ ሓየሎም/
ናይ ምርጫ ካርድ ንዘይወሰዱ ዜጋታት ኣማሓደርትን ፖሊሳትን ኣብ ስልጣን ዝርከብ ስርዓት ገዛ ገዛ እናዘሩ ብሓይሊ ይዕድልዎ ከም
ዘለዉ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ። ነበርቲ እታ ቀበሌ‘ዉን ብወገኖም ኣብ ምርጫ የራኽበና ብምባል ኣብ ልዕሊ እቲ ስርዓት ዘለዎም ፅልኣት
ብምግላፅ። ለዉጢ የድሊ ከም ዘሎ ካብ ከተማ ኣኽሱም ዝተረኸበ ሓበሬታ ኣረዲኡ፣